መእተዊ ዘመን ኣብያተ ክርስትያናት።


  ራእይ ዮሐንስ።

ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ንእሽተይ እስያ።


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን።

መልእኽቲ ዘመናት ቤተክርስትያን ብዝግባእ ኣጸቢቅኩም ምእንቲ ኽትርድእዎ ኣቀዲመ ብዛዕባ እቶም መልእኽተኛታት ኻበይ ተበጊሰ ኣስማቶም ክሰሚ ከም ዝኽኣልኩን ብተወሳኺ ድማ ዕድመ ናይተን ኣብያተ ክርስትያናትን ካልኦት ነጥብታትን ክገልጸልኩም ይፈቱ።

እዚ መጽናዕቲ እዚ ኻብ ኩሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ስለዝኾነ: ምብራህ መንፈስ ቅዱስ ኻብ ኣምላኽ ኣጥቢቀ ይልምን። ዘመናት ቤተክርስትያን ብዝምልከት: ካብ ቃል ኣምላኽ ንእሽተይ ምስ ኣንበብኩ፤ ታሪኽ ቤተክርስትያን ንምንባብ ዓብይ ባህጊ ሓደረኒ፤ ክረኽቦ ክንድዝኽኣልኩ ድማ ኣድልዎ ዘይገብሩ ጽሓፍቲ ታሪኽ ዝጽሓፍዎ ታሪኻዊ መጻሕፍቲ ምንባብ ቀጸልኩ። እግዚኣብሄር ጸሎተይ ኣይከልከለንን፤ ቃል ኣምላኽን ታሪኽን ንዝተወሰነ እዋን ኣንበብኩ፤ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ክፍለ ዘመናት ሓሊፉ ክሳብ እዚ ዘለናዮ መወዳእታ ምዓልቲ ዘሎ ንድፊ ምርኣይ ክኣልኩ።

እቲ ኻብ ጎይታ ዝተውሃበኒ መፍትሕ: ንነፍሲ ወከፍ ዘመን መልእኽተኛታት ክስይመሉ ዘኽኣለኒ፤ መብዛሕቲኡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ። ምናልባት እውን እምኒ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጎይታ ፈጺሙ ከም ዘይልወጥ ዘርኢ ምግላጽ እዩ። ከምቲ ንሱ ዘይልወጥ ድማ: ኣሰራርሓኡ እውን ኣይለዋወጥን። ኣብ ዕብራውያን 13፡8

“የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።”

መክብብ 3፡14-15
“ኣምላኽ ዝገበሮ ኹሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸአ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ።”

እነሀልኩም፤ ንሱን ኣሰራርሓኡን ዘይለዋወጥ ኣምላኽ። እቲ መጀመርታ ዝገበሮ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት እትበጽሕ ደጊሙ ይገብሮ። ፈጺሙ ኻልእ ለውጢ ኣይህልውን። እስኪ እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ዘመን ቤተክርስትያን ድማ ኣተሓሕዝዎ። ዓይነት ናይቲ ጎይታ ኣብ መፈለምታ ዘመን ዝመረጾ ሰብ: ኸምኡውን ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኡ ዝተገለጾ ኣገልግሎት: ኣብነት ናይቶም ስዒቦም ዝግለጹ ዘመናት እዩ ክኸውን ዝግብኦ። ጎይታ ኣብታ መጀመርታ ዘመን ናይ ቤተክርስትያን ዝገበሮ ኹሉ ኣብተን ካልኦት ዘመናት ክገብሮ ዝደለዮ ኹሉ እንታይ ከም ዝኾነ እዩ ዘረድእ።

ሕጂ ካብ ቃል ኣምላኽ ብምስክርነት መንፈስ ቅዱስ ከም እንርድኦ እታ ናይ ፈለማ፣ ጀማሪት ቤተክርስትያን ከመይ ከም ዝተመስረተትን ኣምላኽ ብኸመይ መልክዑ ብኣኣ ርእሱ ከምዝገለጸን ፈሊጥና ኣለና። ቃል ፈጺሙ ኣይልወጥን ክልወጥ እውን ኣይኽእልን ምኽንያቱ እቲ ቃል ባዕሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ። ዮሃንስ 1፡1

“ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።”

ኸምቲ ሄዋን ዝገበረቶ ሓንቲ ቃል ምቅያር ማለት ሓጢኣትን ሞትን ምጽዋዕ እዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ 22፡18-19

“ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም አሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብ'ዚ እንተወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ።”

ቤተክርስትያን እቲ ኣብ በዓለ ሓምሳ ዝነበራ ትሕዝቶ ሚዛና ንሱ እዩ። ንድፋ እዚ እዩ። ካልእ ንድፊ የብላን። ዋላ'ኳ ምሁራት ብዙሕ ይበሉ: ጎይታ ነቲ ንድፊ ፈጺሙ ኣይልውጦን። እቲ ኣብ ብዓለ ሓምሳ ዝገበሮ: ፍጻመ ዘመን ቤተክርስትያን ክሳብ ዝኣክል፤ እንዳገበሮ ይቕጽል።

ዋላ'ኳ እቶም ምሁራት ኢና ዝብሉ፤ ዘመነ ሓዋርያት ቀደም ተወዲኡ እዩ: ሎሚ የለን እንተበሉ፤ ኣይትእመኑዎም። እዚ ሓሳቦም እዚ ብኽልተ መልክዑ ስሕተት ኣለዎ። ሓደ: እቶም ዓሰርተ ኽልተ ናይ መጀመርታ ሓዋርያት ብህይወት ስለ ዘየለዉ፤ ሓወርያነት የለን ኢልካ ምሕሳብ ስሕተት እዩ። ሓዋርያ ማለት ልኡኽ ማለት እዩ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ድማ ሚሽነሪ ተባሂሎም ይጸውዑ እምበር ብዙሓት ልኡኻት ኣለዉ። እቲ ህይወት ዝህብ ቃል ሒዞም ዝወጹ ልኡኻት ክሳብ ዘለዉ ዘመነ ሓወርያት ህያው እዩ። ካልኣይ፡ “ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ” ኣብ ዘመን ምልኣት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቂዑ እዩ ብምባል ይገልጹ። ሓቅነት የብሉን። ነዚ ዝድግፍ ቃል ኣምላኽ የለን: እኳ ድኣስ ብኣንጻሩ የቀምጦ። ክልቲኡ ኽስታቶም ሓሶት ምዃኑ እነረጋግጸሉ ቃል እዚ ኣለና፡

ግብሪ ሓዋርያት 2፡38-39
“ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ ጎይታ ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብሽም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።”

እቲ ሓወርያት ዘተስፍውዎ ዘለዉ ሓይሊ “ንኣኻትኩም (ኣይሁድ)፣ ንደቅኹም (ኣይሁድ)፣ ነቶም ኣብ ርሑቅ ዘለዉ ኹሎም (ኣህዛብ)፣ ጎይታ ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉ ኹሎምን (ክልቲኦም ኣይሁድን ኣህዛብን) ይገልጽ።” ምጽዋዕ ክሳብ ደው ዘብል ሓይልን መልእኽትን መንፈስቅዱስ ኣይቋረጽን።

እቲ ኣብ በዓለ ሓምሳ ንቤተክርስትያን ዝነበራ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ ብሓይሊ ድንቅን ትኣምራትን ውህበታት መንፈስ ቅዱስን: ፈጺሙ ዘይውሰድ ናይ ቤተ ክርስትያን እዩ።

ዕብራውያን 2፡1-4
“ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዚጸንዕ፡ ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል፡ ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከአለና?”

እታ ናይ መጀመርታ ሕብረት ብሰብ ኣይተጀመረትን። ምሉእ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምርሒት ነበራ። ዓባይ ኣይነበረትን፤ ጽሉኣትን ንዑቓትን፣ ጭቆና ዝበዝሖም ክሳብ ሞት ዝስደዱ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ሓቂ ነበሩ። ስፍራኦም ሓልዮም ኣብቲ ንድፊ ናይ'ቲ ቃል ነበሩ።

ኣምላኽን ኣሰራርሓኡን ኣይልወጥን ክብል ከለኹ: ሓደራ ብኻልእ ከይትርድኡኒ። ቤተክርስትያንን መልእኽተኛታታን ኣይልወጡን ማለተይ ኣይኮነን። ቤተክርስትያን ማለት: ኣምላኽ እያ ማለት ኣይኮነትን: ስለዚ ድማ ትልወጥ። ዝብሎ ዘለኹ ብምኽንያት እዚ ስራሑን ባዕሉን ዘይለዋወጥ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝገበሮ ፍጹም ግብሩ ሪኢና ክንፈርድ ንኽእል ኢና። ከምኡ እዩ። ሓቀኛ ቤተክርስትያን ኩልጊዜ ከም'ታ ኣብ በዓለ ሓምሳ ዝነበረት ቤተክርስትያን ንኽትከውን እያ እትጽዕር። እታ ናይ ሎሚ ሓቀኛ ቤተክርስትያን: ነታ ናይ መጀመርያ ቤተክርስትያን ንምምሳል ትጽዕር። ነፍሲ ወከፍ መልእኽተኛታት: ብሓደ ዓይነት ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሊኦም: ንሓወርያ ጳውሎስ ይመስሉ። ፍጹም ንሱ ክኾኑ ኣይኽእሉን ነገር ግን እቲ ሓቀኛ መልእኽተኛ ንሓወርያ ጳውሎስ ብብዙሕ ይመስሎ፤ ካብ ሰብ ዉጹእ ሓራ፣ ንኣምላኽ ዝተወፈየ፣ ፍሬኡ ቃል ኣምላኽ ጥራይ፣ መንፈስ ቅዱስ ብሓይሊ ይገልጽ። ብጀካኡ ካልእ ኣይኽእሎን። ልክዕ ከምታ ጀማሪት ክትሰርሑ ይግባእ። ከምቲ ኹሉ መምስሉ ዝወልድ: እታ ሓቀኛ ቤተክርስትያን ጥራሕ: ኣሰር ናይቶም ኣብ በዓለ ሓምሳ ዝነበሩ መስረትቲ እምነት ትኽተል: መልእኽተኛታታ ድማ ኣሰር እቲ መልእኽተኛ ናይታ ቀዳመይቲ ዘመን ቤተክርስትያን ዝነበረ ሓወርያ ጳውሎስ ይኽተሉ። ቀሊልን ደስ ዝብልን እዩ።

በዚ መፍትሕ እዚ: ቀሊልን ዘደንቕን መፍትሕ: ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስን፣ ከምኡ ድማ ብምንባብ ራእይ ዮሃንስን፣ ናይ ታሪኽ መጻሕፍትን: ነፍሲ ወከፍ ዘመን፣ ነፍሲ ወከፍ መልእኽተኛ፣ ብዝሒ ዓመታት ነፍሲ ወከፍ ቤተክርስትያን፣ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ቤተክርስትያን ካብ በዓለ ሓምሳ ጀሚረን ክሳብ ምልኣት ዓመታተን ዝፈጸማኦ ስራሕ ኣምላኽ ክርዳእ ኽኢለ።

እምብኣር ሕጂ ሓቀኛ ቤተክርስትያን ኣየነይቲ ምዃና ምልላይ ካብ ክኣልና: (ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሓወርያት ሰፊሩ ዘሎ ኣብ በዓለ ሓምሳ ከመይ ከም ዝነበረትን ኣብ ዘመን ሓወርያት ከመይ ከም ዝነበረትን) ተመሳሳሊ ሕጊ ተጠቒምና ቤተክርስትያን ከመይ ከም ዝወደቐት ክንፈልጥ ይክኣለና። እቲ ናብ ቤተክርስትያን ዝኣተወ፤ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሓወርያት፣ ራእይ፣ መልእኽትታትን ተገሊጹ ዝርከብ ቀንዲ ስሕተት፣ ስሕተታት ክሳብ ኣብ'ታ ናይ መወዳእታ ዘመን ቤተ ክርስትያን ሎዶቅያ ፈጺሙ ዝጽልምት: ካብ ዘመን ናብ ዘመን ጸልማቱ እንዳዓዘዘ ይመጽእ።

ካብ'ታ ናይ መጀመርታ ዝተቐበልናያ መፍትሕ ናይ ጎይታ ወጻኢ እነሆ ካልእ ካብኣ እትንእስ ሓቂ እትመስል መጸት። ከምቲ ዝበልኩኹም: እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ነታ ኣብ ግብሪ ሓወርያት ዝነበረት ቤት ኣምላኽ ንኽትመስል: ኩሉ ጊዜ ትጽዕር። እዚ ፍጹም ሓቂ እዩ። ነገር ግን: ጎይታ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን ኣብ ምድሪ ከቢድ ጸልማት ከም ዝኸውን እውን ርኢና ኣሎና። እቲ ሕጂ ኣብ ኣእምሮና ዝለዓለና ዘሎ ሕቶ ድማ ጎይታ'ሲ ነቶም ሕሩያቱ ክሳብ ብስሕተት ዝወድቁዶ ሓዲጉዎም እዩ? ዝብል እዩ። ፈጺሙ ኣይሓድጎምን፤ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል 24፡24 ብግልጺ እቶም ሕሩያት ኣምላኽ ከም ዘይታለሉ ይገልጽ።

“ናይ ሓሶት መሲሓትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።”

ስለዚ እንታይ እዩ። መልሱ ኣብ ቅድሜና ግልጺ እዩ። ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ከም ዘላ ኸምኡ ድማ ናይ ሓሶት ቤተ ክርስትያን ኣላ ማለት እዩ። ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒን ሓሶት ጉንዲ ወይንን ክልቲኡ ኣሎ ማለት እዩ። ብርግጽ ድማ እታ ናይ ሓሶት ቤተክርስትያን ሓቀኛ ንምምሳል ስፍራ ናይታ ሓቀኛ ቤተክርስትያን ብምውሳድ ንሳ እምበር እቶም ሕሩያት ኣምላኽ ሓቀኛታት ከምዘይኮኑ ከተምስል ትጽዕር። ሓሶት፤ ሓቂ ንኽቀትል ይጽዕር። ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሓወርያት ከምኡ እዩ ነይሩ፤ ኣብተን ዝስዕባ ሾብዓተ ዘመናት ዝተመደበ እውን ከምዚ እዩ። ብዝተፈላለዩ ደብዳቤታት ዝተኣወጀ እውን ንሱ እዩ። ከምኡ ነይሩ፤ ከምኡ ኣሎ፤ ከምኡ ድማ ክኸውን እዩ። ክቅየር ኣይኽእልን።

----
እተን ኣብ ንእሽተይ እስያ ዝነበራ ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ከምቲ ዝተተኽለ ፈልሲ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ፍረ ዝሕፈሶ። ኣብቲ እዋን እቲ ኾይነን ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዘመናት ዝግለጽ ትውልዲ ክገልጽ ዝኽእል ፍረ ዝነበረን እየን። የሱስ ድማ በለ: “ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፡” ሉቃስ 23፡31።

Read the full account in...
ዘመን ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን።



ራእይ ዮሐንስ።
Continues on next page.
(መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።)


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

  The Scripture Saith...

በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ብርሃንሲ ድነ ኪኸውን እዩ እምበር፣ ነጸብራቕ ኣይኬብርህን እዩ።

ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዓልቲውን ትኸውን፣ መዓልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን፣ ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሃን ኪኸውን እዩ።

ትንቢት ዘካርያስ 14:6-7


Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet

(PDFs English)

ገዛእ ርእሱ ብትሕትና
ሰዊሩ፡...
(PDF)

ታሪኽ ህይወተይ.
William Branham.

(PDF)

How the Angel came
to me.

(PDF English)


 


Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham