ኦም ህይወት። The Original Sin.


  ራእይ ዮሐንስ።

Was it an apple?
(The story of serpent’s seed.)


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን።

ራእይ 2፡7
“ ... ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ።”

እዚ ማለት ነቶም ኣብ ኩሉ ዘመን ዘለው ሰዓርቲ ዝወሃብ ሽልማት እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ውግእ ምስ ትኣወጀ፡ ኣጽዋር ውግእና ድማ ምስ ተራገፈ፡ ንዕረፍቲ ናብ ገነት ኣምላኽ ክንኣቱ ኢና። ኽፍልና ድማ፡ ንዘለኣለም፡ ካብ ኦም ህይወት ክኸውን እዩ።

“ኦም ህይወት” ደስ ኣይብልን? ክፍተወካ ኣዘራርባ! ኣብ ዘፍጥረት ሰለስተ ጊዜ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ድማ ሰለስተ ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ። ሽዱሽቴኡ ድማ ንሓደ ዓይነት ኦምን ነገርን ይገልጽ ።

ኦም ህይወት ማለት እንታይ ማለት እዩ? ብመጀመርታ ኦም ባዕሉ እንታይ ከም ዝውክል ንመልከት፥ ኣብ ዘህልቁ 24፡6 በልዓም ንደቂ እስራኤል፥ “ጎይታ ከም ዝተኸሎም ዕሬታት” ብምባል ይገልጾም። ስለዚ ብመሰረት ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ኣእዋም ንሰብ ይውክሉ። ከምኡ ድማ ኣብ መዝሙር 1። ስለዚ ኦም ህይወት ማለት ህይወት ዝህብ ሰብ ማለት እዩ። ንሱ ድማ የሱስ እዩ።

ኣብ ማእኸል ኤደን ገነት ክልተ ደው ዝበሉ ኣእዋም ነበሩ። እቲ ሓደ ኦም ህይወት እቲ ኻልኣይ ድማ ጽቡቅን ሕማቅን ዘፍልጥ ኦም ነበሩ። ሰብ ብኦም ህይወት ንኽነብር እታ ጽቡቅን ሕማቅን እተፍልጥ ኦም ግና ከይትንክፋ፡ እንተዘይኮይኑ ግና ከምዝመውት ተነገሮ። ነገር ግን ሰብ ኻብታ ኻልኣይቲ ኦም ምስ ተኻፈለ ብኡብኡ ድማ ሞት ናብኡ ኣተወ። ካብ ኣምላኽ ድማ ተፈለየ።

እቲ ኣብ ገነት ዝነበረ ኦም፡ ምንጪ ኹሉ ህይወት ዝኾነ የሱስ ነበረ። ኣብ ዮሃንስ ወንጌል 6 ን 8 ን የሱስ ስለ ገዛእ ርእሱ፡ ምንጪ ኹሉ ህይወት ከም ዝኾነ ይገልጽ። ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ ምዃኑ ይገልጽ፡ ርእሱ ኣሕሊፉ ከም ዝህብን ዝበልዖ ዘበለ ድማ ሞት ከም ዘይመውት ይምስክር። ከምዚ ድማ ንኣብርሃም ከም ዝፈልጦን ቅድሚ ኣብርሃም ድማ ከም ዝነበረን ገለጸ። እወ ነይሩ። ማይ ህይወት ከም ዝህቦምን ነቲ ማይ እቲ ዝሰተየ፡ ንዘለኣለም ከም ዝነብር እምበር፡ መሊሱ ከም ዘይጽማእ ድማ ተነበየ። ገዛእ ርእሱ፡ ከምቲ ኣነ እየ ዘለኹ እየ ዘለኹ፡ ከም ሓያል ኣምላኽ ተጋህደ። ናይ ህይወት እንጀራ፣ ዒላ ህይወት፣ ኦም ህይወት፣ ዘለኣለማዊ እዩ። ከምቲ ኣብ ማእኸል ገነት ዝነበረ፡ ገና ድማ ኣብ ማእኸል ገነት ኣምላኽ ክኸውን እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት፡ እዞም ኣብ ገነት ዝነበሩ ክልተ ኣእዋም፡ ካብቶም ጎይታ ኣብ ገነት ዝተኸሎም ካልኦት ተራ ኣእዋም ዝተፈለዩ ኦም ከም ዘይኮኑ ይዛረቡ። ተምሃሮ! ከምኡ ኣይኮነን ተጠንቀቁ፡ ዮሃንስ መጥምቅ ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ (ፋስ) ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ፡ ክብል ከሎ እኮ ነቲ መንፈሳዊ ስልጣናት ድኣ ይብል ኣሎ እምበር ስለ ተፈጥሮኣዊ ኦም ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ 1ዮሃንስ 5፡11 ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ አላ። መሊሱ ድማ የሱስ ኣብ ዮሃንስ ወንጌል 5፡40 ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። ቃል ኣምላኽ ብግልጺ ከም ዘረድኣና ህይወት፡ እዛ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ኣብ ወዲ ምዃና እዩ ። ኣብ ካልእ ስፍራ ኣይትርከብን። 1 ዮሃንስ 5፡12 ድማ እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት አላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን። እቲ ምስክር ዘይቕየር ካብ ኮነ፤ ክውሰኸሉን ክቕነሰሉን እውን ዘይከኣል ካብ ኮነ፤ እምበኣርከስ እቲ ጽሑፍ ህይወት ኣብ ወዱ ኣሎ እዩ ዝብል። ከምዚ እንተኾይኑ ድማ እቲ ኣብ ገነት ዝነበረ ኦም ህይወት የሱስ እዩ።

ጽቡቕ! ኦም ህይወት ስብእና ዘለዎ ኣካል እዩ እንተኢልና እቲ ጽቡቕን ክፉእን ዘፍልጥ ኦም እውን፡ ከምኡ ስብእና ዘለዎ ኣካል እዩ። ካልእ ክኸውን ኣይኸልን። እቲ ጻዲቕን፣ እቲ ኽፉእን ኣብ ማእኸል ገነት ጎኒ ንጎኒ ኔሮም ማለት እዩ። ሕዝቅኤል 28፡13 ንስኻ (ሰይጣን) ኣብ ኤደን ገነት ኣምላኽ፦ ነበርካ። ይብል።

እቲ ትኽክለኛ ምግላጽ እቲ ዘርኢ ተመን እንረኽበሉ እዚ እዩ፤ ኣብ ኤደን ገነት ዝተኻየደ ኩነታት (ግብሪ) እዚ እዩ፡ መጽሓፍ ከም ዝብል ተመን ንሄዋን ከምዘስሓታ ይገልጽ። ተመን ብስጋዊ ፍልጠት እዩ ኣስዲዑዋ። ዘፍጥረት 3፡1 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ይብሎ ። እዚ ኣራዊት እዚ ብምስሉ ልክዕ ሰብ ዝመስል እንስሳ ኮይኑ ሓሳብ ከቕርብን፣ ክዛረብን፣ ብኽልተ እግሩ ደው ኢሉ ዝኸይድ፣ ኣብ ሞንጎ ሰብን ቺምፓንዚን ዝመስል ምስሊ ነበሮ። እቲ ዘርኡ ድማ ኸምኡ ሰብ ይመስል፥ ምስታ ሰበይቲ ተዳቒሉ ድማ ኣጥነሳ ። እዚ ምስኮነ ኣምላኽ ነቲ ተመን ረገሞ። ቕርጺ ሰውነቱን፡ ኩሉ ቕርጺ ኣዕጽምቱን ቀይሩ ድማ፡ ከም ተመን ብኸብዱ ከም ዝሰሓብ ገበሮ። ሰብ ጎራሕ እዩ፡ ኣብ ሞንጎ ሰብን እንስሳን ዘሎ ምምስሳል ብምርኣይ፡ ሓሳብ ስነ ለውጢ (EVOLUTION) ንምርግጋጽ ይፍትን። ሳይንስ ክንዲ ድላዩ ይመራመር፡ ፈጺሙ እተን ዝጠፍኣ ኣይረኽበንን። ሰብን እንስሳን ተዳቒሉ ድኣ እምበር ፈጺሙ ሓሳብ ስነ ለውጢ ኣይኮነን። ካብቶም ሕቡኣት ምስጢር ጎይታ ሓደ ድማ እዚ እዩ እነሆ ድማ ኣብ ጊዜና ተጋህደ። ሄዋን ህይወት ሓዲጋ ሞት ኣብ ዝመረጸትሉ እዋን ኣብ ማእኸል ገነት ዝተፈጸመ ግብሪ እዚ እዩ።

ኣስተውዕሉ፤ ኣምላኽ ኣብ ገነት እንታይ ከም ዝተዛረቦም ኣስተውዕሉ፡ ዘፍጥረት3፡15 ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ ንስኻ ድማ ሸዀናኡኽትነክስ ኢኻ። ነስተውዕል እታ ሰበይቲ ዘርኢ ከም ዘለዋ እንተፈሊጥና፡ ብርግጽ እቲ ተመን ድማ ዘርኢ ከም ዝህልዎ ይርድኣና። ዘርኢ እታ ሰበይቲ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ወጻኢ፡ ዝተወልደ ሰብ ካብ ኮነ ድማ፡ እቲ ዘርኢ ተመን እውን ብተመሳሳሊ ንድፊ ክኸውን ኣለዎ። ክርስቶስ ብኣሰራርሓ ጎይታ ብዘይ ናይ ወዲ ተባዕታይ ርክብ ዝተወልደ ዘረኢ ናይታ ሰበይቲ ከም ዝነበረ ዘይሰማማዕ ተምሃራይ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ርእሲ ተመን ከም ዝጭፍልቕ ዝተነበየ ትንቢት እውን እንተኾነ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣንጻር ሰይጣን ኣብ መስቀል ዝፍጽሞ ስራሕ ይውክል ነበረ ። ክርስቶስ ርእሲ ሰይጣን ዝቕጥቅጠሉ ሰይጣን ድማ ሾዀና ጎይታ ዝነኽሰሉ ስፍራ ኣብ መስቀል ነበረ።

እዚ ኽፍሊ ቃል ኣምላኽ እዚ፡ ዘርኢ ተመን ብኸመይ መልክዑ ናብ ምድሪ ከም ዝተዘርአ ዘረድእ ምግላጽ እዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ሉቃስ 1፡26-35 ዘሎ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ብዘይ ስጋዊ ርክብ ወዲ ተባዕታይ ብኣሰራርሓ ጎይታ ዝመጸሉ ኣመጻጽኣ የረድእ። ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ ጎይታ ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ምስ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ ጎይታ ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። ከምቲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ፤ ማለት፤ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ብስጋ ዝተገልጸ ከምኡ ድማ ሰይጣን ናብ ዘረኢ ደቂ ሰባት ዝሕወሰሉ ብሕታዊ መንገዲ፥ ዘርኢ እቲ ተመን ከም ኣፍ ደገ ብምጥቃም እዩ። ሰይጣን ባዕሉ ፍጡር ስለ ዝኾነ ከምቲ ጎይታ ኣብ ሞንጎ ዘረኢ ደቂ ሰባት ዝተገለጸሉ ኣሰራርሓ ክግለጽ ኣይክኣሎን። ስለዚ ድማ ዘፍጥረት፡ ሰይጣን ከመይ ጌሩ ናብ ዘርኢ ደቂ ሰባት ከም ዝተሓወሰ የረድእ። ዋላ እኳ ሰይጣን “ተመን” ተባሂሉ ይጸዋዕ እምበር ንዘራረበሉ ዘለና ግና ብዛዕባ እቲ ምስ ዘርኢ ደቂ ሰባት ዘዳቐሎ ዘርኡ እዩ።

ኣዳም ንሄዋን ብፍልጠት ስጋ ቅድሚ ምፍላጡ፡ ተመን ቀዲምዎ ፈለጣ። እቲ ኻብኡ ዝተወልደ ድማ ቃየን እዩ። 1ይ ዮሃንስ 3፡12 ብዛዕባ ቃየን ኸምቲ ኻብ “እኩይ” ዝነበረ ይብሎ። መቸም ኣብ ዮሃንስ ዝነበረ መንፈስ ኣምላኽ ንኣዳም እኩይ ክብሎ ኣይኽእልን (ኣዳም ወላዲኡ እንተ ዝኸውን ነሩስ ኣዳም እኩይ ምባሉ ኣይምተረፎን ነይሩ) ምኽንያቱ ኣብ ካልእ ስፍራ ብዛዕባ ኣዳም ብፍጥረቱ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ስለ ዝገልጽ። ሉቃስ 3፡38። ቃየን ግና ብባህሪኡ ጸዋዒ ሞት ቐታሊ ነፍሲ ኾነ። ቃየን ብኣምላኽ ዝተገሰጸ ተገሲጹ፡ ፈጺሙ ንኣምላኽ ዘይምእዛዙ ብፍላይ ድማ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት 4፡5፣9፣13፣14 ክረኽቦ ኸሎ ብባእሪኡ ፍጹም ሰብኣዊ ባህሪ ከምዘይብሉ የርኢ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። ጎይታ ኸኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ በለ። ቃየል ከኣ ንጎይታ በሎ፥ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ።

እስኪ እቲ ኣወላልዳ ቃየን፣ ኣቤል፣ ሴት ከምኡ ድማ ኣምላክርነት ዝህቦ ምስክርን ኣስተውዕልዎ ዘፍጥረት 4፡1 ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት ጎይታ ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለት። ዘፍጥረት 4፡25 ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት ... ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። ካብ ክልተ ስጋዊ ርክብ ኣዳም ሰለስተ ደቂ ወለደት። መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕን ዘይጋገን ቃል ኣምላኽ ካብ ኮነ እዚ ድማ ጌጋ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ብፍሉይ ክበርሃልና ብፍሉይ ዝተቐመጠ ቃል እዩ። እምበኣከስ ብኽልተ ስጋዊ ፍልጠት ኣዳም፡ ሰለስተ ውሉዳት ካብ ተወልዱስ፡ እቲ ሓደ ውሉድ ኣዳም ከም ዘይኮነ ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ጎይታ ብኸምዚ መልክዑ ክቕመጥ ዝፈቐደሉ ምኽንያት፡ ሓደ ከርእየና ዝመደቦ ነገር ስለ ዝነበሮ እዩ። ናይዚ ነገር እዚ ሓቂ ድማ ሄዋን ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክልተ ዝተፈላለዩ ውሉዳት ኣብ ማሕጸና ሒዛ ከም ዝነበረት እዩ። ማንታ ጠኒሳ ነበረት። ንኣቤል ቅድሚ ምጥናሳ ንቃየን ኣቐዲማ ጠኒሳ ነይራ። ሕጂውን ጎንጎኒ ማናቱ። ከምቲ ኹሉጊዜ ሕጂውን ከምኡ ።

Read the full account in... ዘመን ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን።

Download (English)... Serpent Seed - William Branham.


English Newsletter Site.

ራእይ ዮሐንስ::

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Mountainside and
rosebush in snow,
in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid
rock.

If apples made
women realise
they were naked,
it's time to pass
the apples
again.


  The Scripture Saith...

ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።

ንሓድሕድና ክንፋቐር፡ እዚኣ እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ።

ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።

1ይ መልእኽ ቲ ዮሐንስ 3:10-12



Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham



ራእይ ዮሐንስ::
Continues on next page.
(ትምህርቲ ኒቆላውያን።)