ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።


  ራእይ ዮሐንስ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተክርስትያን ሎዶቅያ።

ራእይ 3:20-22,
“እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ አብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።”

ብዙሓት ግላውያን ዓየይቲ ብግላዊ ወንጌላዊነት፡ የሱስ ኣብ ደገ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሓጢኣተኛ ኾይኑ ንኽኽፈተሉ ዘንኳሕኩሕ ጌሮም ስለዝሓስቡዎ፡ ዓብይ ዘይምርድዳእ ኣሎ። ከምኡ እንተዝኸውንስ ማንም ሓጢኣተኛ እንተኸፈተለይ ናብኡ ክኣቱ እየ ምተብሃለ ነይሩ። እዚ ፍቕዲ እዚ ግና ንግለ ሰብ ኣይኮነን ዝዛረብ። እዚ ምሉእ መልእኽቲ እዚ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ከም መጠቓለሊ ዝዛረብ፡ ኣብ ፍቕዲ 22 “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።” ይብል። እምበኣርከስ እዚ ነታ ናይ መወዳእታ ዘመን ቤተክርስትያን ዝተውሃበ መልእኽቲ እዩ። ቤተክርስትያን ሎዶቅያ፡ መፈጸምታኣ ኣብ ዝበጽሓሉ እትኾኖ ኩነታት እዩ። ንሰብ ዝተነግረ ግላዊ መልእኽቲ ዘይኮነስ፡ መንፈስ ፡ እየሱስ ኣበይ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጸልና ዘሎ። ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስትያን የለን። ቃል ኣምላኽ ንስርዓት ሃይማኖት ክብል እንተተነጺጉ፣ ኣብ ክንዲ መንፈስቅዱስ ድማ ጳጳሳት፡ ካሃናት፡ ምስለኔታት፡ መኸርትን፡ ወዘተ እንተተኪኦም፣ እቲ መድሓኒ ድማ ብመደባት ጉባኤን ሕብረታትን ንካልኦት ናይ ቤተክርስትያን ስርዓትን እንተድኣ ተተኪኡስ፡ ሎጂካዊ ውጺኢቱስ እዚዶ ኣይኮነን? ኣንጻሩኸ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክግበር ይኽእል? እዚ ክሕደት እዩ! ውድቀት እዩ! ሓደ ብስም ኣቦኡ (የሱስ) መጺኡ እንተዘይተቀበልዎ፡ አረ እንተተጻረርዎ፣ ኻሊእ ግና ብናይ ገዛእ ርእሱ ሽም ይመጽእ (ሓሳዊ፣ መምሰሊ) ንዓኡ ግና ይቅበልዎ፡ ዮሃንስ 5፡43። ናይ ሓጢያት ሰብ፣ ወዲጥፍኣት፣ ክዕብልል እዩ።

እየሱስ ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ዘመን እዚኣ ኣብ ሰማያት ዝከናወኑ ምልክታት ከም ዘለዉ ማቴዎስ 24 ይጠቅስ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣስተውዒልኩም እንተኾ ይንኩም ብዛዕባ እዚ እንዛረበሉ ዘለና ሓቂ ዝገልጽ ስእላዊ ምልክት ተገሊጹ ነይሩ። እቲ ሓቂ ድማ፡ እየሱስ ካብታ ናይ መጀመርታ ዘመን ጀሚሩ፡ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ምሉእ ንምሉእ ካብ ቤተክርስትያን ተደፊኡ ዝወጸላ ዘመን ብሓይሊ እንዳተደፍአ ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ሓቂ እዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ዘመን ዋላኳ ግብሪ ኒቆላውያን ዝበሃል ስሕተት ምሉእ ካብ ምዃን ይኸልክል እምበር፡ ዳርጋ ምሉእ ክበብ ቤተክርስትያን ብሓቂ ዝመልአ ዘመን ከም ዝነበረ ዘክሩ። ብድሕሪኣ ኣብ ዝነበረት ዘመን ድማ፡ መብዛሕቲኡ ክቢ ብርሃን ብጸልማት ክሳብ ዝውረር ጸልማት ሸፈና። ኣብ ሳልሰይቲ ዘመን ግርደት እንዳዓዘዘ ኸደ፣ ኣብራብዓይቲ ዘመን ማለት ጸልማት ዘመን ድማ ብርሃን ኩሉ ጠፍአ።

ሕጂ እዚ ሕሰቡ። ቤተክርስትያን ካብ ምንጽብራቕ ክርስቶስ እያ እትበርህ። ንሱ ጸሓይ እዩ ቤተክርስትያን ድማ ወርሒ። እዛ ብርሃን ዝዓርፋ ክበብ ወርሒ እያ። ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመንዝነበረቶ ምልእቲ ወርሒ ኣብ ራብዓይ ዘመን ናብ ጭላፍ ወረደት። ነገር ግን ኣብ ሓሙሻይ ዘመን መሊሳ ክትገዝፍ ጀመረት። ኣብ ሻድሻይ ድማ ዓብይ ናይ ምዕባይ ምዕባለ ኣርኣየት። ኣብ ኸፊል ሻብዓቲ ዘመን እውን፡ ክሳብ እቲ ቅጽበታዊ ምቁራጽ ዕብየት ክሳብ ዝኽሰታ'ሞ ናብዘይምህላው ዝበጽሐት፡ ክትዓቢ ትቕጽል ነበረት። ስለዚ ኣብ ክንዲ ብርሃን ጽልመት ናይ ክሕደት ክራኣያ ጀመረ። ኣብ መወዳእታታት እታ ዘመን ድማ ጸልማት ስለዝሰዓረ፡ ምንጽብራቕ ገደፈት። ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ እዩ ሕጂ። እነሆ እቲ ኣብ ሰማይ ዝርአ ምልክት። ናይ መወዳእታ ግርደት ወርሒ፡ ምልእ ግርደት እዩ። ኣብ ሾብዓተ ደረጃታት፡ ብምልኣት ናብ ጸልማት ተወሓጠት። እቲ ሻብዓይ ደረጃ ማለት እቲ ሓፈሻዊ ጸልማት ዝኣተወሉ ጊዜ ድማ ጳጳስ ናይ ሮማ (ሻድሸዋይ ፖል) ቅዱስ ጉብኝት ኢየሩሳሌም ክገብር ናብ ፍልስጤም ኣብ ዝኸደሉ መዓልቲ እዩ። ካብ ማእኸል ጳጳሳት ሮማ ንፈለማ እዋን ኣቐዲሙ እየሩሳሌምዝኣተወ ጳጳስ እዩ። ሽም ናይቲ ጳጳስ ፖል (ጳውሎስ) ይበሃል፣ ጳውሎስ ድማ ቀዳማይ ልኡኽ ቤተክርስትያን እዩ ስለዚ ብናቱ ሽም እዩ ዝጽዋዕ። ካሊእ ከተስተውዕሉሉ ዝግባእ ድማ ሻድሻይ ምዃኑ ማለት ቁጽሪ ሰብ ዝሓዘ ምዃኑ እዩ። እዚ ካብ ኣጋጣሚ (ወዝቢ) ንላዕሊ እዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ናብ እየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ወርሒ ወይ ድማ ቤተክርስትያን ናብ ምሉእ ግርደት ኣተወት። እዚ እዩ። እዚእዩ መወዳእታኡ። ኩሉ ኽሳብ ዝኸውን፡ እዚ ትውልዲ እዚ ኣይክሓልፍን። ኣሜን ጎይታና እየሱስ ቀልጢፍካ ንዓ!

ንምንታይ ክልተ ጉንዲታት ከም ዝነበሩ ሕጂ ክንርድኦ ይክኣለና እዩ፡ እቲ ሓደ ሓቀኛ እቲ ኻልኣይ ድማ ናይ ሓሶት ጉንዲ። ንምንታይ ኣብርሃም ክልተ ደቂ ከም ዝነበርዎ፣ እቲ ሓደ ካብ ፍቓድ ስጋ (ንይስሓቕ ዘሳድድ) እቲ ሓደ ግና ብተስፋ ቃል ከም ዝነበሩ ንፈልጥ። ሕጂ፡ ካብ ሓደ ቤተሰብ ከመይ ኢሎም ክልተ ኣወዳት ማናቱ ከመይ ከም ዝተወልዱ ይርድኣና፡ እቲ ሓደ ናይ ኣምላኽ ነገራት ዝፈልጥን ዘፍቅርን፣ እቲ ሓደ ድማ ብዙሕ ፍልጠት ሓቂ ዘለዎ ኾይኑ ነገር ግን ካብ ሓደ መንፈስ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ነቲ ሕሩይ ኣምላኽ ይሰጎ። ኣምላኽ ምእንቲ ኲነነ ኢሉ ኣይዂንንን፡ ምእንቲ ሕሩያቱ ኢሉ እዩ ዝዂንን። ሕሩይ ንሕሩይ ኣይሰጎን፣ ሕሩይ ንሕሩይ ኣይጎድኦን። ንሕሩያት ዝድምስሱን ዝሰጉን እቶም ኲኑናት እዮም። ኦ! እዞም ኲኑናት እኮ ሃይማኖተኛታት እዮም፣ ጎራሓት እዮም፣ መስመር ትውልዲ ቃየን ወዲ ዘርኢ ተመን። ባቤሎም ዝነደቑ፣ ከተማኦም ሰርሑ፣ ስርወ መንግስቶም ተኸሉ፡ ድሕሪ ቑሩብ ድማ ናብ ኣምላኽ ምጽዋዕ ጀመሩ። ነቲ ዘርኢ ሓቂ ይጸልእዎ፣ ሕሩያት ኣምላኽ ንምጥፋእ ድማ (ብስም ጎይታ) ዝኽእልዎ ዘበለ ኹሉ ይጽዕሩ። ይኹን እምበር ኣገዳስነት ኣለዎም። “ሓሰር ንስርናይ እንታዩ እዩ?” ሓሰር እንተዘየለስ ስርናይ የለን፡ መወዳእታኡ ግና ምቅጻል እዩ። ስርናይከ? ኣበይ ይኣቱ? ኣብ ቆፎኡ ይእከብ። ኣብኡ እዩ ዝእከብ።

ኦ! ኣቱም ሕሩያት ኣምላኽ፡ ንቕሑ። ኣጽንዑ። ተጠንቀቑ። ምድሓንኩም ብፍርሒን ብምንቅጥቃጥን ፈጽሙ። ኣብ ኣምላኽ ተወከሉ ኣብ ሓይሉውን ጽንዑ። ጸላኢኹም ዲያብሎስ ዝውሕጦ ደልዩ ሎሚውን ይዘውር እዩ። ብጸሎት ንቕሑ ጽንዑ። መወዳእታ ዘመን እዩ። ክልቲኦም፡ ጉንዲ ሓቂን ጉንዲ ሓሶትን ዝበስሉሉ እዋን እዩ። ስርናይ ቅድሚ ምብሳሉ ግና፡ እቶም ዝበሰሉ ክርዳድ ንምቅጻል ናብሓደ ክእከቡ ግድን እዩ። ኣስተውዕሉሎም፡ ኹሎም ናብ ጉባኤ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም ይእከቡ ኣለዉ። እዚ እዩ እቲ ምእሳር። ድሕሪ ቁሩብ ስርናይ ናብ ማዕኸን ዝእከበሉ እዋን ክመጽእ እዩ። ሕጂ ግና ክልቲኦም መናፍስቲ ብኽልተ ኣጉንድቲ ይሰርሑ ኣለዉ። ስለዚ ካብ ማእኸል ክርዳድ ተፈለዩ። ንኽብሪ ጎይታኹም ንኽትኮኑን፣ ንምንጋስን ንምግዛእን ድማ ብቑዓት ንኽትኮኑን ሰዓርቲ ምዃን ጀምሩ።

Read the full account in...
ዘመን ቤተክርስትያን ሎዶቅያ።


We know that
this is the last
age because
Israel
has gone back
to Palestine.


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።


ራእይ ዮሐንስ።
Continues on next page.
(ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።)


Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Mountainside and rosebush
in snow, in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid rock.

  The Scripture Saith...

ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

መልእኽቲ ናብ እብራውያን 8:10



Message Hub... Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham