ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።


  ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።


William Branham.

Read the full account in...
ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

ራእይ 1:4-6
ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት : ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን ቦኽሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድርን ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን ። ንእኡ ነቲ ዘፍቅረና ዘሎ ካብ ሓጢኣትናዉን ብደሙ ዝሓጸበና ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና : ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ይኩን ። ኣሜን ።

ራእይ ዮሃንስ 1:8
ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ : ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ።

እስያ ዝብል ቃል ነታ ሕጂ ንእሽተይ እስያ ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር ዘመልክት እዩ። እስያ ብስፍሓታ ክንዲ ኢንዲያና እትኣክል ኰይና ነተን ኣብ ዝቕጽል ዘመን ኣብ በቢዘመነን ዝግለጻ ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ክውክል ዝኽእል ትሕዝቶን ባህርይን ዝነበረን ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበራኣ ስፍራ እያ።

ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ጊዜኦም ሓልዮም ዝግለጹ ሾብዓተ መላእኽቲ (መልእኽተኛታት) ናይ እተን ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበረ ኣገልግሎትን መልእኽትን እዩ።

ከምኡ ድማ (ዘሎን) (ዝነበረን) (ዚመጽእን)፡ (እሙን ምስክርን) (በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ) (ኣልፋን ኦሜጋን) (ኩሉ ኽኣሊ) ዝብሉ ገለጽቲ ቃላት ነቲ ሓደን ብደሙ እዉን ካብ ሓጢኣት ዘንጽሃና ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዘመልክቱ መዓርጋት እዮም ።

ኣብ ልዕሊ ዮሃንስ ዝነበረ መንፈስ ጎይታ ምልኣተ መለኮት የሱስ ክርስቶስን ብጀካ የሱስ ክርስቶስ ኽኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየሎን ንምርኣይ ሓደ ብሓደ ንኹሉ ገሊጽዎ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ዘመን እዚ ኣብ ዉሽጢ ምልኣተ መለኮት ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ነናቶም ኣካል ዘለዎም ሰለስተ ኣማልኽቲ ከም ዘለዉ ዝምህር ዓብይ ጸልማት ኣብ ምድሪ ኣሎ። እዚ ዓብይ ትምህርቲ ስሕተት ንምእራም ድማ ጎይታ የሱስ ንዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ሓደ ኣምላኽ ብሰለስተ መዚ (መዓርግ) ኣቦ፣ ውሉድ፣ መንፈስ ቅዱስ ሰለስተ ኣሰራርሓታት ሓደ ኣምላኽ ገለጸሉ። እዚ ዓብይ ምግላጽ ሓደ ኣምላኽ ኣብታ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዘመንና ኣብ ዘላ ቤት ኣምላኽ ብመሰረት ትኽክለኛ ኣሰራርሓ ጥምቀት ሓደ ኣምላኽ ክቃናዕ ኣለዎ።

ብመሰረቱ ምሁራት ዘመናዊ ትምህርቲ ስነ መለኮት (Theologians) ምስቲ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ትምህርቲ ፈጺሞም ኣይሰማምዑን። ኣብ ሓደ ዓብይ ክርስትያናዊ መጽሄቶም፦ “ትምህርቲ ስላሴ መሰረታዊ ትምህርቲ ብሉይ ኪዳን ኰይኑ ከምቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ሓድሽ ኪዳን። ሓዱሽ ኪዳን ብተቓራኒ መንገዲ ብሉይ ኪዳን ዝገልጸሉ ምክንያት ድማ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣማልኽቲ ከም ዘለዉ ንምግላጽ እዩ። ባዕሉ ሓዱሽ ኪዳን ብግልጺ ኣቦ እግዚኣብሄር፣ ዉሉድ እግዚኣብሄር ከምኡ እዉን መንፈስ ቅዱስ ርእሱ ዝኸኣለ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ የቀምጥ፡ እዞም ሰለስተ እዚኦም ድማ ኣሰራርሓ ሓደ ኣካል ዘይኮኑስ ነንነፍሲ ወከፎም እንዳተደጋገፉ ነናቶም ህልዉና ዘለዎም ሰለስተ ኣካላት እዮም ብምባል ይገልጽዎ። እዚ እዩ እቲ ዓብይ ሚስጢር ሰለስተ ኣምላኽ ዝብልዎ”

ወሲኾም ድማ ከምዚ ብምባል ይገልጽዎ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ሓደ ኣካል ዘይኮነስ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ መለኮት (ኣምላኽ) ። እዚ እዩ ምስጢር ስላሴ ዝብልዎ ።

ከመይከ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ይኸዉን? ከምዚ ዓይነት ብስለት ዝጎዶሎ ትምህርቲ ዝምህር መጽሓፍ ቅዱስ የለን። ምናልባት፡ ቋንቋ ትርጉሙ እንተዘይኣጥፊኡ፡ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምንም እኳ ተመሳሳሊ ሓሳብ ይሃልዎም እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ምዃኖም ዘይተርፍ እዩ ።

እስኪ ንድሕሪት ከመልሰኩም እሞ ነቲ ቃል ኣስተውዕሉሉ “ኣልፋን ኦሜጋን፣ ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል ጎይታ ኣምላኽ” ንሱ ኣምላኽ እዩ። ተራ ሰብ ተራ ነብዩ ኣይኮነን ኣምላኽ እዩ። እዚ ድማ ምግላጽ ሰለስተ ኣማልኽቲ ዘይኮነስ ምግላጽ እቲ ኹሉ ዝኽእል ሓደ ኣምላኽ እዩ።

ብመሰረቱ ትምህርቲ ስላሴ ድሕሪ ሰማእትነት ኩሎም ሓዋሪያት ብድሕሪ ዘመነ ሓዋርያት ኣብ ናይ ንቅያ ጉባኤ ከም ሓደ ዓብዪ ትምህርቲ ተቖጺሩ ዝኣተወ ትምህርቲ እምበር ኣብታ ጀማሪት እምነት ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሰለስተ ኣምላኽ ዝብል ትምህርቲ ኣይነበረን ደሊኹም እውን ኣይትረኽቡዎን። ኣብ ንቅያ ጉባኤ ዝነበረ ብዛዕባ ምልኣተ መለኮት ዝምልከት ኣስተምህሮታት ነቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣመንቲ ናብ ክልተ ጽንፊ ዝኸፈለ ኣስተምህሮ እዩ። እቲ ሓደ ጽንፊ እምነት ብዙሓት ኣማልኽቲ ( POLYTHEISM ) ብምቕባል ብሰለስተ ኣማልኽቲ ዝኣመነ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ድማ ብሓደ ኣምላኽ ( UNITARIANISM ) ጥራሕ ዝኣምን ትምህርቲ ሰለስተ ኣምላኽ ዘይቕበል እዩ። ምንም እኳ ንኽግለጽ ጊዜ ይውሰድ እምበር ዘመኑ ሓልዩ ኣብ ዘመንና ተገሊጹ ንሕና ድማ ተቐቢልናዮ ኣለና። መንፈስ ብዮሃንስ ነተን ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት “ኣነ ኹሉ ብኹሉ ዝመልእ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ እየ።” ካሊእ ኣምላኽ የለን። ብምባል ብማሕተም ምግላጽ ይሓትሞ።

እስኪ ሕሰብዎ! ኣቦ የሱስ መን እዩ ? ኣብ ማቴዎስ 1፡18 “ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት ይብል” የሱስ ድማ ብኣንደበቱ ብዛዕባ ኣቦኡ “ንኣቦ ኣቦይ ብምባል” ኣቦኡ ኣቦ ባዕሉ ምዃኑ ይገልጽ; ንጎይታ ኣቦ ኢልና ወይ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ጎይታ ኢልና ኣብ እንገልጸሉ እዋን ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ምዃኖም ኢና እንርዳእ። ብርግጽ እውን ሓደ እዮም። እንተዘይኮይኑ ግና የሱስ ክልተ ኣቦታት ኔይሮሞ ማለት እዩ። መሊሱ ድማ የሱስ ኣብ ካሊእ ስፍራ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና እምበር ክልተ ኣይበለን። እዚ ድማ እዩ ሓደ ኣምላኽ ማለት።

ብዙሓት ሰባት እዚ ብታሪኽን ብሚዛን ቃል ኣምላኽን ሓቂ ካብኮነስ እዚ ትምህርቲ ስላሴ ካበይ ከም ዝተበገሰ ተደኒቖም ይሓቱኒ፡ ብመሰረቱ ስላሴ ዝብል ቃል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል እውን ኣይኮነን። መሰረት ትምህርቲ ስላሴ ካብ ናይ ሮማውያን ስርዓት ኣምልኾ ዝተበገሰ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን 325 ዓ/ም ኣብ ንቅያ ጉባኤ ዝተጀመረ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብሉ ትምህርቲ እዩ። ሮማውያን ብሂወት ዘየለዉ ጥንታዉያን ኣቦታቶም ከም መማለድቲ ብምጥቃም ናብ ኣማልኽቶም ናይ ምጽላይ ልምድን እምነትን ዘለዎምን ከምኡ ድማ ብዙሓት ኣማልኽቲ ጣኦት ብምኽታል ዝፍለጡ ሰባት እዮም ኔሮም። ሮማውያን ኣምልኾ ጣኦታቶም ክርስትያናዊ መልክዕ ዘለዎ ንምምሳል ኣይተሸገሩን። ሽም ኣማልኽቶም ብክርስትያናዊ ኣስማት ብምትካእን ኣብ ክንዲ እቶም ቅዱሳን ኢሎም ዝኣምኑሎም ጁፒተር፣ ቬነስ፣ ማርስ፣ ወዘተ ድማ ጳውሎስ፣ ጴጥሮስ፣ ፋቲማ፣ ክሪስቶፈር ወዘተ ወዘተ ብምትካእ ቀጸሉ። ሃይማኖቶም ብትምህርቲ ሓደ ኣምላኽ ተኪኦም ከቐጽልዎ ስለዘይኽእሉ ህልውና እቲ ሓደ ኣምላኽ ናብ ሰለስተ ብምክፍፋል እቲ ኣቐዲሞም ዝኣምኑሉ ዝነበሩ ምምላድ ዝሞቱ ወለዶኦም ድማ ብናይ ቅዱሳን ስም ብምትካእን ኣምልኾ ጣኦታቶም ቀጸሉ።

ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሮም ሰባት ብዛዕባ እቲ ብሰለስተ መዓርጋት (መዚታት) ዝዓዪ ሓደ ኣምላኽ ከስተውዕሉ ኣይከኣሉን። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ሓደ ምዃኑ እኳ እንተፈለጡ በቲ ናይቲ ዘመን ፍሉይ ስነ ሓሳብ እግዚኣብሄር ከም ኣብ ሓንቲ ጨንፈር ዘሎ ብዙሕ ዘለላ ወይኒ ብምምሳል፤ ሰለስተ ኣካላት ብማዕረ መለኮታዊ ስልጣን ብምባል ይገልጽዎ። ነገር ግን ንዘስተውዕሎ ሰብ፤ እነሆ ኣብ መጽሓፍ ራእይ፦ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ኣልፋን ኦሜጋን ማለት ንሱ ካብ ሀ ክሳብ ፐ ኩሉ ብኹሉ ዝመልእ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ግልጺ እዩ። ንሱ ኹሉ እዩ፡ ኹሉ ኽኣሊ፣ ሳሮን ጽጌሬዳ፣ ፍዮሪ ኣኽራን፣ ብርሃን ወጋሕታ፣ ጨንፈር ጽድቂ፣ ኣቦ፣ ዉሉድ፣ ቅዱስ መንፈስ፣ አረ! ንሱ እግዚኣብሄር እዩ። ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ሓደ ኣምላኽ።

ኣብ 1ይ ጢሞቲዎስ 3፡16
ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።
ይብል ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እዩ ዝብል እምበር ብዛዕባ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ኣምላኽ ኣይተዛረበናን። ሓደ ኣምላኽ ብስጋ ስለዝተገለጸ ካሊእ ኣምላኽ ክኸውን ኣይኽእልን ። ቐደም ንሱ ሕጂውን ባዕሉ፡ ቐደም ብምግላጽ ሕጂዉን ብምግላጽ ሓደ ኣምላኽ ። እስኪ ንድሕሪት ተመሊስና እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ክንፈልጦ ዝሃበና ምግላጽ ኣምላኽ ካብ መጽሃፍ ቅዱስ ንርኤ፦ እቲ ንእስራኤል ብዓንዲ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተገልጸ ዓብዪ ኣምላኽ፤ ከምታቦት ቃል ኪዳን ብዓንዲ ሓዊ ንእስራኤል መዓልታዊ መርሖም ከምኡ ድማ ኣብቲ ቤት መቕደስ ብኽብሪደመና ከም ዝገሃድ ኣወጀሎም። በታ ፍትውቲ መዓልቲ ድማ በቲ ዝተመደበሉ ስጋ ካብ ድንግል ተወልደ። እቲ ኣብ ድንኳናት እስራኤል ዝሓደረ ኣምላኽ፤ መሊሱ ድማ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ንምምልላስ ድንኳን ስጋ ኣዳለወ፡ ከም ሰብ ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ተመላለሰ ነገር ግን ባዕሉ ሓደ ኣምላኽ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ነበረ ይብል፡ ማለት የሱስ ባዕሉ ኣካል ነበረ ኣብቲ ኣካል ድማ ብዘሎ ምልኣተ መለኮት ብስጋ ከምዝሓደሮ የረድእ ። ካብዚ ንላዕሊ ግልጺ ቋንቋ የለን። ምስጢር ስለ ምዃኑ እወ ምስጢር እዩ ነገርግን ሓቂ ድማ እዩ። ቐደም ሰለስተ እንተዘይነይሩ ሕጂ ሰለስተ ክኸውን ኣይኽእልን። ሓደ ኣምላኽ፡ ሓደ ኣምላኽ ድማ ስጋ ኾነ ። የሱስ “ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኹ፡ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣለኹ በለ” ዮሃንስ 16፡27-28 ንዓለም ክሓድግ ከሎ ሞተ፣ ተቀብረ፣ ተንስኤ፣ ዓረገ። እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ዝኾነ ኣዒንቲ ዘቀምስል ብርሃን፡ ከምቲ ዝበሎ ካብቲ ዝነበሮ ማሕደር ስጋ ወጺኡ ናብቲ ብስጋ ሰብ ቕድሚ ምግላጹ ዝነበሮ ዓብዪ ክብሪ ተመልሰ፡ ብድሕሪ እዚ ኹሉ ጳውሎስ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ተጓነፎ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ። ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። በሎ። ንዮሃንስ እውን በዚ ኽብሪ እዚ እዩ ዝተገለጸሉ። ዮሃንስ 1፡18 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ። ይብሎ። ዮሃንስ ኣበይ ዘሎ ኢልዎ? ኣብ ሕቊፊ ኣቦኡ። ሉቃስ 2፡11 እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ይብል። ክውለድ ከሎ ክርስቶስ ኰይኑ እዩ ተወሊዱ፡ ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ተገረዘ የሱስ ተሰምየ። ከምቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብዛዕባይ ንቤተሰበይ ዝበሎም፡ ብራንሃም ኰይነ እየ ዝተወለድኩ እሞ፡ ድሕሪ ምውላድ ግና ቤተሰበይ ዊልያም ኢሎም ስም ዘውጽኡለይ ማለት እዩ። ዋላ እኳ ክውለድ ከሎ ክርስቶስ እንተነበረ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ዝፍለጠሉ ስም ግን ሃብዎ፡ እቲ ዝርኤ ደጋዊ ሰውነቱ የሱስ ዝብል ስም ተውሃቦ። እቲ ኹሉ ኸኣሊ ክቡር ኣምላኽ ብስጋ ተጋህደ፡ ንሱ ኣቦ፣ ውሉድ፣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኩሉ ባዕሉ እዩ።

ኣቦ፣ ውሉድ፣ መንፈስ ቅዱስ ዝብል ቃላት፡ ምዓርጋት (መዚታት) ናይ ሓደ ኣምላኽ ድኣ እምበር ስም ኣይኮኑን፡ ናይዞም ምዓርጋት ኣምላኽ ሽም ጎይታ የሱስ ክርስቶስ እዩ ። ስለዚ ድማ ኢና ብጎይታ ብየሱስ ክርስቶስ ስም ጥምቀት እነጥምቐ። ንኣብነት ሓዱሽ ዝተወልደ ህጻን ንውሰድ፡ ህጻን እዩ ውሉድ እውን እዩ ። ህጻን ማለት እንታይነቱ ዝገልጽ ምዓርግ እዩ፣ ውሉድ እውን ከምኡ ምዓርጉ እዩ ቐጺሉ ድማ ዝወሃቦ ስያሜ ኣለዎ። (ከምዚ ጆን ሄነሪ ብራውን)። ብዛዕባ ጥምቀት ክንብል ከለና፡ ጥምቀት ብየሱስ ስም ጥራሕ ክኸውን እውን ኣይኽእልን ምኽንያቱ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ቕድሚ ምምጽኡን ብድሕሪኡን ብዙሓት የሱስ ዝስሞም ሰባት ኔሮም እዮም ነገር ግን ካብዞም ኩሎም የሱስ ዝተብሃሉ ሰባት ክርስቶስ ኰይኑ ዝተወልደ ሓደ ንሱ ጥራሕ እዩ፦ጎይታ የሱስ ክርስቶስ።

ሰባት ብዛዕባ የሱስ ንዘለኣለም ውሉድ ኣምላኽ እዩ ዝመስሎም ከምኡ ድማ እዮም ዝብልዎ ነገርግን እዚ ኣበሃህላኦም ምስቲ ሓቂዶ ኣይጻረርን? ውሉዳት መጀመርታ ኣለዎም፡ መን 'ዩኸ ንዘለኣለም ውሉድ ኰይኑ ዝነብር? እቲ ዘለኣለማዊ ዝኾነ ግን ፈጺሙ መጀመርታ የብሉን፡ ንሱ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ (ያህዌ) ብስጋ ዝተጋህደ እዩ።

Read the full account in... ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

Download (English)  Godhead Explained


English Newsletter Site.

ራእይ ዮሐንስ::

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Mountainside and rosebush in snow, in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid
rock.

  The Scripture Saith...

ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።

ኦሪት ዘዳግም 6:4



ራእይ ዮሐንስ::
Continues on next page.
(ኦም ህይወት። Original Sin.)


Jesus Christ is
God.
The Jehovah of
the Old Testament
is the Jesus
of the New.



Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham