ቤተክርስትያን ታረኽ።

<< ዝሓለፈ

ቀፃሊ >>

  ፈጣረ ኣብ ታረኽ።


William Branham.

መልእኽቲ ዘመናት ቤተክርስትያን ብዝግባእ ኣጸቢቅኩም ምእንቲ ኽትርድእዎ ኣቀዲመ ብዛዕባ እቶም መልእኽተኛታት ኻበይ ተበጊሰ ኣስማቶም ክሰሚ ከም ዝኽኣልኩን ብተወሳኺ ድማ ዕድመ ናይተን ኣብያተ ክርስትያናትን ካልኦት ነጥብታትን ክገልጸልኩም ይፈቱ።

እቲ ኻብ ጎይታ ዝተውሃበኒ መፍትሕ: ንነፍሲ ወከፍ ዘመን መልእኽተኛታት ክስይመሉ ዘኽኣለኒ፤ መብዛሕቲኡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ። ምናልባት እውን እምኒ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጎይታ ፈጺሙ ከም ዘይልወጥ ዘርኢ ምግላጽ እዩ። ከምቲ ንሱ ዘይልወጥ ድማ: ኣሰራርሓኡ እውን ኣይለዋወጥን። ኣብ ዕብራውያን 13፡8
“የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።”

እነሀልኩም፤ ንሱን ኣሰራርሓኡን ዘይለዋወጥ ኣምላኽ። እቲ መጀመርታ ዝገበሮ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት እትበጽሕ ደጊሙ ይገብሮ። ፈጺሙ ኻልእ ለውጢ ኣይህልውን።

ሕጂ ካብ ቃል ኣምላኽ ብምስክርነት መንፈስ ቅዱስ ከም እንርድኦ እታ ናይ ፈለማ፣ ጀማሪት ቤተክርስትያን ከመይ ከም ዝተመስረተትን ኣምላኽ ብኸመይ መልክዑ ብኣኣ ርእሱ ከምዝገለጸን ፈሊጥና ኣለና።

ቃል ፈጺሙ ኣይልወጥን ክልወጥ እውን ኣይኽእልን ምኽንያቱ እቲ ቃል ባዕሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ። ዮሃንስ 1፡1 “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።”

ቤተክርስትያን እቲ ኣብ በዓለ ሓምሳ ዝነበራ ትሕዝቶ ሚዛና ንሱ እዩ። ንድፋ እዚ እዩ። ካልእ ንድፊ የብላን። ዋላ'ኳ ምሁራት ብዙሕ ይበሉ: ጎይታ ነቲ ንድፊ ፈጺሙ ኣይልውጦን። እቲ ኣብ ብዓለ ሓምሳ ዝገበሮ: ፍጻመ ዘመን ቤተክርስትያን ክሳብ ዝኣክል፤ እንዳገበሮ ይቕጽል።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን።

  ቤተክርስትያን ታረኽ።

ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ንእሽተይ እስያ።

ኤፌሶን።

ከተማ ኤፌሶን ካብ ሞንጎ እተን ሰለስተ ዓበይቲ ኸተማታት እስያ ሓንቲ ኾይና፤ ካብ የሩሳሌምን ኣምጾክያን ቀጺላ ሳልሰይቲ ወደብ ክርስትና ከም ዝኾነት ይፍለጥ። ከተማ ኤፌሶን ብብዙሕ ሃብቲ እትፍለጥ ኮይና፤ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ እትምሓደር መረዳድኢ ቋንቋኣ ድማ ቋንቋ ግሪኽ ነበረ።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን።

ሰሚርና።

ከተማ ሰሚርና ብወገን ሰሜናዊ ኽፍሊ ኤፌሶን ኣብ ከባቢ ኣፍደገ ባሕሪ ሰላጤ ሰሚርና እትርከብ ከተማ እያ። ብምኽንያት ምቹእ ወደባ ድማ፡ ንደገ ብዝለኣኽ ንግዳዊ ንጥፈት ፍልጥቲ ነበረት። ብትምህርቲ ፍልስፍና፣ ጥበባዊ ዘረባ፣ ሕክምና፣ ሳይንስ፣ ስነ ህንጻን ድማ ፍልይቲ ነበረት።

ስሚርና ዝብል ስም ከርቤ (Myrrh) ካብ ዝብል ቃል ዝተወስደ ኾይኑ “መሪር” ዝብል ትርጉም ድማ ኣለዎ። ብሞት ዝተመልአ መሪር ዘመንውን እዩ ዝነበረ።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተክርስትያን ሰሚርና።

ጴርጋሞስ።

እዛ (ብጥንታዊ ኣጸዋውዓ) ጴርጋመም እትበሃል ስፍራ ሚስያ ኣብ ዝበሃል ብሰለስተ ኣንፈቱ ብማይ ኣብ ዝተኸበበ ከባቢ እትርከብ ኮይና ካብቶም ሰለስተ ሩባታት እቲ ሓደ ሩባ፡ ምስ ባሕሪ ዝለገበ ነበረ። ከተማ ጴርጋሞስ ካብተን ኣብ እስያ ዝነበራ ከተማታት እታ ህብብቲ ኸተማ ተባሂላ ትግለጽ ነበረት። ኣብታ ኸተማ ስኩላፒየስ ዝተብሃለ ተመን ኣብቲ ቤት መቕደስ ናይታ ኸተማ ከም ባህላዊ እምነት ዝቕለብ ገበል ስለ ዝነበረ፡ ከም ከተማ ሓጢኣት ድማ ትፍለጥ ነበረት። ይኹን ድኣ እምበር ካብቲ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዝነበረ ቤተ መጻህፍቲ ቀጺሉ እቲ ዝዓበየ ቤተ መጻሕፍቲ ዝነበራ ኾይና፡ ብባህሊ ትፍለጥ ከተማ ነበረት።

ዙፋን ሰይጣን፡ ሰፈር ሰይጣን። ጴርጋሞስ (ብመሰራት ሰባዊ ጉዳያት) ሰይጣን ዝሰፈረላ ናይ መጀመርታ ስፍራ ኣይነበረትን። ብቀሊሉን ብስእላዊ ኣተሓሳስባን ማእኸላዊት ስፍራ ሰይጣን ዝነበረት ቦታ ባቢሎን እያ ነይራ። ሰይጣናዊ ኣምልኾ ዝተጀመረሉ ቦታ ኣብ ናይ ባቢሎ ን ከተማ እዩ።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተክርስትያን ጴርጋሞስ።

ትያቲራ።

ብደረጃ ታሪኽ ኸተማ ትያቲራ ኣብ ወሰናስን ማይዥያን ኣዮንያን እትርከብ ካብ ሞንጎ እተን ኣብ ራእይ መጽሓፍ ዝተጠቀሳ ሾብዓተ ኸተማታት ዝተሓተትን ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይግበረላን ከተማ ነበረት። ብዓለቅቲ ዝተመልኡ ብዙሓት ሩባታት ድማ ነበሩዋ። በቲ ዝነበራ ትካላት ሽርክና ስራሕቲ ካይላ፣ ምልፋዕ ቆርበት፣ ምእላም፣ ስራሕቲ ቀለም፣ ስራሕቲ ካባን ካልኦትን ግና ዝነኣድ ኣፍታም ጎኒ ነበራ። ብስብከት ጳውሎስ ካብ ኣውሮጳ ናይ መጀመርታ ኣማኒት ዝኾነት ልድያ ትበሃል ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ ዝኾነት ሰበይቲ ካብዛ ኸተማ እዚኣ ነበረት።

መንፈስ፣ ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝመረጸሉ ምኽንያት ድማ ነቲ ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝግለጽ ክውክል ዝኽእል መንፈሳዊ ኣሰር ዘለዎ ሃይማኖት ስለዝነበራ እዩ። ናይ ኸተማ ቲያቲራ ቀንዲ ሃይማኖት፡ ኣፖሎ ታይሪምናኦስ ዝተብሃለ ምስ ናይ ንጉስ ኣምልኾ ዝተኣሳሰረ ኣምልኾ ነበረ። ኣፖሎ ካብ ኣቦኡ ዘኡስ ብምቅጻል ኣብ ስልጣን ዝነበረ ኣምላኽ ጸሓይ ነበረ።

ትርጉም ሽም ናይ ትያቲራ “ዕብላለ ጓልኣንስተይቲ” ማለት ምዃኑ ኣትኩሮት ክግበሮ ዝግባእ ነጥቢ እዩ።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተክርስትያን ትያቲራ።

ሳርዴስ።

ሳርዴስ፡ ዋና ኸተማ ጥንታዊ ሊድያ ኾ ይና፡ ኻብ መሳፍንቲ ሊድያ ናብ ፐርሺያ ካብ ፐርሺያ ድማ ናብ ኣለክሳንደር ዘ ግሬት ተሰጋገረት። ደሓር ግና ብኣንቲዮከስ ዘ ግሬት ምስ ተወረረት፡ ነገስታት ጴርጋሞስ፡ ክሳብ ሮማውያንስዒሮ ም ዝሕዙ፡ ወሪሶማ ነበሩ። በቲ ኣብ ዘመን ጢባርየስ ዝተልዓለ ርእደ መሬት ግና ክሳብ ሎ ሚ ኹምራ ፍርስራስ ኮ ይና ኣላ።

ሃይማኖ ት ናይዛ ኸተማ ድማ እቲ ዘይንጹህ ኣምልኾ ሳይቤል (ኣርጤሚስ) ነበረ። ገዚፍ ኹምራ ቤትመቅደሳውን ኽሳብ ሎሚ ይረኣይ ኣሎ።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተክርስትያን ሳርዴስ።

ፊላደልፊያ።

ፊላደልፊያ ብወገን ደቡባዊ ምብራቕ ሳርዴስ እትርከብ ብስፍሓታ መበል ካልኣይቲ ኸተማ ናይ ሊድያ እያ። ሕርሻታት ወይኒ ብሰፊሑ ኣብ ዝካየደሉ ፍሉጥ ዞባታት ዝተሰርሐት ኮ ይና ብብዙሕ ኣኽራን ዝተኸበት ነበረት። ሳናቲም ፊላደልፊያ ብቕድሚቱ ናይ ባኩስ ኸምኡ ድማ ምስሊ ባካንተ (ናይ ባኩስ ኻህን ነበረት)።

ዋላኳ ኻብተን ኣብ ራእይ መጽሓፍ ዝርከባ ሾ ብዓተ ኸተማታትዝነውሐ ዕድመ ይሃልዋ እንበር ብተደጋጋሚ ብርእደ መሬት ትውቃዕ ነበረት። ብርግጽ እታ ኸተማ ሎሚውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ቱርኪሽ፡ ኣልሰሒር ወይድማ ኸተማ ኣምላኽ እንዳተብሃለት ትፍለጥ ኣላ።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተክርስትያን ፊላደልፊያ።

ሎዶቅያ።

ሎዶቅያ ዝብል ስም፡ ትርጉሙ “ሰብኣዊ መሰል” ማለት ኮይኑ፡ ሎዶቅያ ተባሂለን ዝጽውዓ ዝነበራ ኣዋልድ ንጉሳዊ ቤተሰብ ንምኽባር፡ ንብዙሓት ከተማታት መጸውዒ ስም ንምዃን ተዋሂቡ ነይሩ። እዛ ኸተማ እዚኣ ግና ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤስያ ማይነር ብፖለቲካውን ቁጠባዊን ዓቕመን በልጺገን ዝነበራ ኸተማ እያ። ብፍሉጣት ዜጋታት እታ ኸተማ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ዝነበራ ኸተማ ነበረት።

ህቡብ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ዝነበራውን ነበረት፡ ህዝቢ ሎዶቅያ ብስነጥበባዊ ኽእለትን ብ ሳይንስን ተፈላጥነት ዝነበሮ ህዝቢ ነበረ። ኣብትሕቴኣ ዕስራን - ሓሙሽተን ከተማታት ስለዝነበራ ድማ ከም “ርእሰ-ኸተማ” ትፍለጥ። ኣብ ውሽጣ ዝምለኽ ዝነበረ ኣምላኽ ጣኦት ድማ ዘየስ ነበረ፡ ኣቐዲማውን ንኽብሪ ኣምላኾም ዲዮፖሊስ (ኸተማ ዘየስ) ተባሂላ ተሰይማ ነይራ። ኣብ ራብዓይ ክፍለዘመን ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉባኤ ቤተክርስትያን ተሰሪሑ ነይሩ፡ ይኹን እምበር ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ርዕደ መሬት ፍጹም ንኽጠፍእ ገበሮ።

ኣብታ ወጽሓፎ... ዘመን ቤተክርስትያን ሎዶቅያ።


መርበብ ሓበሬታ ጋዜጣ
እንግሊዝኛ።

ራእይ ዮሐንስ።

ኣምላኽን ሳይንስን
ተኸታታሊ። ሊንድክስ።

መርከብ ኖህ።

 

ፈጣረ ኣብ ታረኽ።

ብስራት። ኢየሱስ ስለ
ሓጢኣትካ ሞይቱ።

ናይ ማይ ጥምቀት።

 

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
መበቆላዊ ሓጢኣት።
ኣፕል ድዩ ነይሩ?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

  ይብል እቲ ጥቕሲ።...

እምበኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸዉንን ጽሓፎ ።

ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቀንዴል ወርቅን : እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም እቶም መላእኽቲ እተን ሾብዓተ ማሕበራት እዮም: እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቀንዴል እውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።

ራእይ ዮሐንስ 1:19-20



 

ምሉእ ስፍሓት ዘለዎ ስእሊ ወይ PDF ንምውራድ ኣብ ሓደ ምስሊ ጠውቑ።


Acts of the Prophet

(PDFs ኢንግሊሽ)

ገዛእ ርእሱ ብትሕትና
ሰዊሩ፡...
(PDF)

ታሪኽ ህይወተይ
W Branham.

(PDF)

How the Angel came
to me.

(PDF ኢንግሊሽ)


መልእኽቲ ማእከል።... ቋንቋኹም ምረጹ ካብ ሓው ብራንሃም ብነጻ መልእኽትታት ኣውርድ።