ራእይ ጳጥሞስ።


  ራእይ ዮሐንስ።

ዮሃንስ ኣብ ጳጥሞስ።


William Branham.

Read the full account in...
ራእይ ጳጥሞስ።

ራእይ 1፡9,10
“ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ።
ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡”

ደሴት ጳጥሞስ ካብ እቲ ኣብ ገማግም ንእሽተይ እስያ ዝርከብ ባሕሪ ኣግያን ፡ ሰላሳ ማይል ርሒቃ እትርከብ ፡ ብኣትማንን ጠበቅን ዕንቅርቢትን ዝመልኤት እምኒ ዝበዝሓ ስፍራ እያ ። መንግስቲ ሮማ፡ ንእሱራት ፖለቲካን ቀተልቲ ነፍስን ከም መቅጽዒ ስፍራን ቤት ማእሰርትን ድማ ይጥቀመላ ነበረ ።

ዮሃንስ ብዛዕባኡ መማቅልቲ እቲ ኣብ ክርስትያናት ዘሎ ጸበባ ዘሎ ሓው ምዃኑ ይገልጽ ። ኣብቲ ዘመ ን እቲ ዝነበረት ቤተክርስትያን ብጸበባ እትሓልፈሉዘመን ነበረ ። ብዛዕባ ሃይማኖቶ ም ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣመንቲ እውን ጽቡቅ ኣይዝረብን ነበረ ። ከምቲ ኣብዚ ዘመን ብዙሓት ብምኽንያት ቃ ል ኣምላኽን ምስክርነት የሱስ ክርስቶስን ስቃይን ቤት ማእሰርትን ዝበጽሖም ዘሎ፡ ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ድማ ብዙሕ ስቃይን መከራን ብማእሰርትን ሞ ትን ይሳቀዩ ነበሩ ። ምስ ኣሰርዎ ፥ ኣብ ዝፈልሐ ዘይቲ ጠጢቆ ም ክቀትልዎ ን24 ሰዓታት ኣብ ዝፈልሐ ዘይቲ ደርበይዎ ። ዘይሙሟቱ ርእዮ ም ዝተቆጥዑ ሓይሊ ዘይ ብሎ ም መራሕቲ ፡ ከም ኣስማተኛ ቆጺሮም ናብ ደሴት ጳጥሞስ ደርበይዎ ። ኣምላኽ ምስኡ ስለዝነበረ ግና ካብቲ ደሴት ወጺኡ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበረት ቤት ኣምላኽ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ፓስተር ብሙዃን ኣገልገለ ።

ሾብዓተ መኣዝናት ክብሩ።

ራእይ 1፡14-16
“ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ።”

ዮሃንስ ዋላ እኳ ብምኽንያት ቃል ኣምላኽ ይደርበ እምበር እነሆ እቲ ቃል ባዕሉ ኣብ ቅድሜኡ ደው ኢሉ ይርእዮ ኣሎ። ትርኢት ናይቲ ዝርእዮ ዘሎ ቃል ድማ ዘደንቅን ዓሚቅን ኣገላልጻ ዘለዎ ራእይ ነበረ። እቲ ፍሉይ ራእይ ባህርያቱ ድማ ነናቱ ትርጉም ዘለዎ ድንቂ ኣገላልጻ ስብእናኡ እዩ።

1. ጸጉሩ ጻዕዳ ከም ጸምሪ።

ዮሃንስ ብምጽዕዳው ጸጉሩ ብምጅማር ብሩህ ጻዕዳ ከምጸምሪ ነበረ ብምባል ኣገላልጻኡ ይጅምር። ምጽዕዳው ጸጉሪ፤ ብዛዕባ ዕድመ ዘይኮነስ፤ ብስለት፣ ብልሓትን፣ ጥበብን ዘረድእ ትርጉም ኣለዎ እምበርንሱስ ዘለኣለማዊ እዩ እሞ ኣይኣርግን፤ ጊዜኸ ኣብ ቅድሚኡ እንታይ ኣለዋ? ጊዜ ኣብ ቅድሚኡ ገለ የብላን፤ ጥበብ ግና ኣብ ቅድሚኡ ዓባይ እያ። ከምቲሰለሞን ንእስራኤል ዝፈርደሉ ጥበብ ዝለመነ፤ እቲ ንምድሪ ዝፈርዳ ድማ ምጽዕዳው ጸጉሩ ከም ኣኽሊል ጥበብ እዩ እሞ፤ ኣኽሊል ደ ፊኡ ይመጽእ ኣሎ።

ኣስተውዕሉ ዳንኤል ምስ ጻዕዳ ጸጉሩ ርኣዮ። መጽሓፍ ከፊቱ ዝፈርድ ፈራዲ ከም ዝኾነ ዳንኤል እዉን ከምቲ ዮሃንስ ዝርኣዮ ብደመና ክመጽእ ከሎ ይርእዮ ኣሎ። ክልትኦም ኣብ መንኩቡ ዕጣቅ ፍርዲ ዝተዓጥቀ ፈራዲ ብንጽህናን ቅድስናን ደው ዝበለ ጥበበኛ ንዓለም ብጽድቂ ክፈርዳ ብቁዕ ዝኾነ ርኣዩ። ሃሌሉያ።

2. ኣዒንቱ ከም ሃልሃልታ ሓዊ።

ሕሰብዎ እሞ! እተን ሓደ እዋን ብሓዘን ሞት ኣልኣዛር ንብዓት ዘፍሰሳ ኣዒንቲ፤ እተን ቀተልቲ ነፍሲ ክሰቅልዎን ክገፍዕዎን እንከለዉ፥ ኣቦ ኣቦ ሓጢኣቶም ሕደገሎም ኢለን ዝነብዓ ኣዒንቱ ሕጂ ግና ከም ተማላጢ ሓዊ ኾይነን ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝነዓቅዎ ከውርዳ ይመጽእ ኣሎ። ዋላ እኳ ከም ወዲ ሰብ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን ብስምዒታት ስጋ ደጋጊሙ ይንባዕ እምበር ብድሕሪት እቲ ሓዘኑን ንብዓቱን ግና ህያው ኣምላኽ እዩ። እዘን ኣብ ልቢ ሰብ ዝተሓብኤ ዝርእያን፣ ሓሳባትን መንገዲን ሰባት ዝጥምታን ኣዒንቱ፣ ምእንቲ እቶም ኣብ ዮሃንስ 8፡24 “...ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” ዝበሎም ሰባት ዝነብዓ ኣዒንቱ እወ ከምቲ እስራኤል ቃል ኣምላኽ ብምንዓቆም ደጒዓ (ኣውያት) ኤርምያስ ብዙሕ ዝነበረ ንሱ ድማ ሕጂ ይነብዕ ኣሎ። ኣብ ዮሃንስ 10፡37,38 ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን።ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።

እንዳበለ እቲ ምግላጽ ኣምላኽ ብምንዓቆም ኣብ ክንዲ እስራኤል ብነብዪ ብኤርምያስ ዝነበረ ንብዓት ሕጂ ንሱ ይነብዖ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሃልሃል ዝብል ቁጡዕ ኣዒንቲ ናይቲ ፈራዲ ዝተሰወረ ዋላ እኳ የለን። ንምድሪ ኹላ ይዞራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኩሉ ግሉጽ እዩ እሞ ስራሕ ስጋ ዘበለ ኹሉ ይምዝግብ ኣሎ። ድሌት ነፍሲወከፍ እንታይ ከምዝኾነን እንታይ ከም ዝሓስቡን ይፈልጦ እዩ። ዘይግለጽ ሕቡእ ኣብ ቅድሚኡ የለን ቅድሚ ኣዒንቱ ኩሉ ግሉጽ እዩ። ኣቱም ሰባት ሕሰብዎ እሞ፤ እታ ሕጂ እትሓስብዋ ዘለኹም ከይተረፈት ይፈልጣ እዩ።

መዓልቲ ምሕረት ተወዲኡ እወ ፍርዲ ክፈርድ ብሃልሃልታ ሓዊ ኣዒንቱ ተዳልዩ ኣሎ። ኣቱም ሰብ ተነስሑ መዓልቲ ምሕረት እንከሎ ገጽ ጽድቁ ድለዩ። ምናልባት ዓለም ናብ ሓዊ ቅድሚ ምድርባያ ናብ ሕቊፉ ተተርኣሱ።

3. ኣእጋሩ ከም ኣስራዚ።

“ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ይመስላ” ኣስራዚ ብሓያል ጥንካረ ዝፍለጥ ኮይኑ ፈጺሙ ብቀሊሉ ከም ዘይቁጣዕ ዘርኢ ትርጉም ኣለዎ። እዚ እግሪ ኣስራዚ እዚ ከምቲ ኣስራዚ ኣብ ሓጎዶ ዝፍተን፤ ዋላ እኳ ሓደ ክሓልፎ ዘይኸል ፈተና ከም ዝተፈተነ የርኢ። ብትኽክል ከምኡ እዩ ። ኣስራዚ ፍርዲ ይውክል፤ እግዚኣብሄር ዝመደቦ ፍርዲ እዩ ዝውክል። ኦሪት ዘህልቊ21፡8-9 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ። እስራኤል ሓጥኤ። ሓጥያት ድማ ፍርዱ ክቅበል ግድን ነበረ። ስለዚ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ካብ ነሃስ ተመን ኣዳልዩ ኣብ ዕንጸይቲ ክሰቅሎ ኣዘዞ ስለዚ እቲ ናብቲ ዝተሰቀለ ተመንዝጥምት ዘበለ ኹሉድማ ካብ ቅጽዓቱ ይድህን ነበረ።

ነገርግን እዘን ኣእጋር ኣስራዚ እዚኤን ምድሪ ዝረግጻሉ መዓልቲ ኣለወን። ንምድሪ ፈራዲኣ ኾይኑ ብቅንዕናን ብፍጽምናን ንዘርኢ ሰብ ክፈርዶ እዩ ። ካብ ፍርዱ ዝሞሉቊ ሓደ እኳ የለን፤ ካብታ ፍትሒ ንድሕሪት ዝምለስ ሓደ የለን፤ ኣብ ቅድሚኡኸ መን ደው ክብል፤ ክሳብ ሽዑ ግና እቲ ሓጥእ ይሕጣእ፤ እቲ ርኹስ እውን ይርከስ፤ እቲ ዘይልወጥ ድማ ተለዊጡ ኣይፈልጥን እሞ ኣይክልወጥን እዩ። ስለዚ በቲ እግሪ ኣስራዚ ጌሩ ንጸላኢ ክድምስሶ፤ ንጸረ ክርስቶስን ንምስሊ ኣራዊትን፤ ነቲ ኣብ ቅድሜኡ ዝጸንሖ ኩሉ ኽፉእን ፈጺሙ ከጥፍኦ እዩ። ብፍላይ ድማ እታ ሓቀኛ ብርሃኑ ከተጥፍእ ኢላ ስሙ ዝተኻረየት ሓሳዊት ቤተ ክርስትያን ምስቲ ኽፉእ ጸረ ክርስቶስ ሓዊሱ ክሰብራ እዩ። ኩሎም እኩያት፣ ብኣምላኽ ዘይኣምኑን፣ ህልውና ኣምላኽ ዝኽሕዱን፣ ዘመናዊነት ዝኣምኑን፣ ነጻ ሰባትን ኩሎ ም ክእከቡ ሞትን ሲኦልን መቃብርን እውን ኣብ ቅድሜኡ ደው ክብሉ እዮም። እወ ሽዑ እቲ መጽሓፍ ክኽፈት እንከሎ እታ ልብጥ ዝበለት ቤተክርስትያንን እተን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግልን ኣብኡ ክርከባ እየን። እወ በጊዕ ካብ ኣጣል ዝፈልየሉ ሰዓት እዩ። መንግስቲ ኹሉ ኽወስድ ሽሕ ጊዜ ሽሕ እልፍ ጊዜ እልፍ ዝኾነት መርዓቱ ድማ ከገልግልዎ ምስኡ ክኾኑ እዮም። ክብሪ! ኦ ሕጂ እንተዘይኮይኑ ፈጺማ ኣይትርከብን፤ ገና ኸሎ ተነስሑ። ካብ ሙታን ተንስኡ ብመንፈሱ ክመልኣኩም ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ኣይኮነን ግና ህይወት ዘለኣለም ኣይትረኽቡዋን። ጊዜ ኸሎ ተጠቀሙ።

4. ድምጹ ከም ደሃይ ብዙሕ ማ ያት።

ማያት እንታይ ይውክሉ? እስኪ ኣብ ራእይ 17፡15 ስምዕዎ “እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም “ እዚ እንታይ እዩ? እዚ ፍርዲ እዩ ። እቲ ድምጺ ብዙሓት ድማ ድምጺ እቶ ም ብመንፈስቅዱስ ኣብ ዘመናት ኩሉ ምስክር ወንጌል የሱስ ዝነበሩ ህዝብታት እዩ ። ድምጺ ኩሎም ኣንጻር እቶ ም ሓጢኣተኛታት ኮይኖም ተግሳጽ ዘይተቀበሉ ደሃይ ከስምዕ እዩ። ድምጺ እቶ ም ሾ ብዓተ መልእኽተኛታት ድማ ብዓብዪን ብግልጽን ክስማዕ እዩ ። እቶ ም እሙናት ምስክር ኮ ይኖ ም ሓቀኛ ማይ ጥምቀት ብየሱስ ስምን ጥምቀት መንፈስቅዱስን ምእንቲ ክሰብኩ ህይወቶ ም ዝቀበጹ ኩሎም ድንጺ የሱስ ክርስቶስ ኣብኩሉ ዘመናት እዮም ። ዮሃንስ 17፡20 “ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ።”

ኦ! ምርኣይ እንተኽኢልኩምስ፤ ማይ ንዓለም ኣጥፍኣ፤ እቲ ንዓለም ዘጥፍኣ ማይ ድማ ንምድርን ንኖህን ኣድሓነ። ድምጹ ስምዕዎ፤ ንህይወት ዝበቅዕ ንስሓ ተነስሑ እንዳበለ ዝእውጅ ድምጺ ኣገልገልቱ ስምዑ።

5. ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ነበርዎ።

“ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡” እዞም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣብ ፍቅዲ 20 ብግልጺ ስለዝተቀመጠልና ፈሊጥናዮ ም ኣለና። “እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡” ባዕሉ እውን ስለ ዝፈትሓልና ክንስሓሓት ኣይንኽእልን። ሾብዓቲኦም ኸዋኽብቲ ሸብዓተ መላእኽቲ (መልእኽተኛታት) ናይተን ሸብዓተ ተኸታተልቲ ዘመናት እዮም። ብርግጽ ስሞም ኣይተጠቀሰን፤ ሾ ብዓተ ከምዝኾ ኑን ንሓድሕድ ዘመን ድማ በብሓደ መልእኽተኛ ከምዝኾ ኑን ንርዳእ። ካብ ዘመን ቤተክርስትያን ኤፌሶን ጀሚሩ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ዘመን ቤተክርስትያን ሎዶቅያ፤ ምነፍሲ ወከፎ ነቲ ዝነበሩሉዘመን ዝተመደበ መልእኽቲ ነቲ ህዝቢ ሃቂ ካብ ምዝራብ ኣይተዓንቀፉን። ምነፍሲ ወከፎም ነቲ ናይ ዘመኖ ም ብርሃን ዘየወላውሉን ጽኑዓትን ኔሮ ም። ትውልዲ ካብ ኣምላኽ ኣብ ዝርሕቀሉእዋን ሓደ እሙን መልእኽተኛ ነቲ ትውልዲ ናብ ኣምላኽ ይመልሶ ም። እቲ ጽኑዕ ማዕበል ብገዛእ ርእሶም ክጻወርዎ ስለ ዘይኽእሉ ሓይሎም ኩሉ ካብ ጎይታ ነበረ። ድሕነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ እዩ። ገለ እኳ ካብኢዱ ዝምንዝዖ ም የለን። ካብፍቅሪ ኣምላኽ ዝፈልዮ ምከ መንእዩ ? ሕማምዶ ፣ሓደጋ፣ዕርቃን፣ ጥሜት፣ ሰይፊ፣ ህይወት ወይስ ሞት። ነፍሶ ም ኣብ ትሕቲ እቲ ዘይስኣኖ ዘግዝኡ ስለዝኾ ኑ በቲ ዝበጽሖ ምስደት ኣይግደሱን። ስቃይን ጸርፍን ብዙሕ እኳ እንተኾነ ምእንታኡ ክጽረፉን ክሳቀዩ ን ብቁዓት ብምዃኖ ም ግና ክብሪ ንኣምላኽ ይህቡ። ምስቲ ምስጋና ምድሓኑ ኣብ ህይወቶም ፍቅሩ፣ ትዕግስቱ፣ ሕያውነቱ፣ ጾሩን፣ ግርማኡን፣ እምነቱን፣ ከምደሚቅ ብርሃን የንጸባርቁ። እግዚኣብሄር ድማ ብድንቅን ትኣምራትን ምልክታትን የጽንዖ ም ነበረ። ብምኽራሮም መንፈሳውያን ብምዃኖ ምን ይንዓቁ፤ ብድርጅታት ይስሓቁ ነገር ግን ኣብቲ ቃል ሓቂ ጽኑዓት ኮይኖም ሓሊፎም።

እዚ ምጽንናዕ እዚ ነቶም ሾብዓተ መልእኽተኛታት ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኩሎም ኣመንቲ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዮም ካብ ፍቅሩን ሓይሉን ድማ ይካፈሉ። ኻብቲ ኣምላኽ ንኣመንቲ ዝህቦ ም ምሉእ ጥቅሚ ድማ ይቅበሉ። እቲ ኣምላኽ ነቲ መልእኽተኛ ዝህቦን፤ ዝባርኾን ዝጥቀመሉን ኣብነት ሕያውነቱን ሓልዮቱን ንኹሎ ም ኣካሉ እዩ። ኣሜን።

6. ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ።

“ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡” ኣብ ዕብራውያን 4፡12ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። “ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡”

ጳውሎስ ቃል ብስልጣንን ብድምጽን ከምዝተገልጸ ይዛረብ። እቲ ዝስበኽ ቃል ከም ሃልሃል ዝብል ዝቆርጽ ሰይፊ ናብሕልና ሰብ ኣትዩ ከም ካራይ ናይ መጥባሕቲ ሕማማት እናቆረጸ ደርብዩ ነጻ ከምዘውጸ ቃል ባዕሉ የረድእ። ጥንታውያን ኣመንቲ ኣብዝኸድዎ ዘበለ ኹሉ ወንጌል ይሰብኩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብትእምርትን ትኣምራትን የረጋግጸሎ ም ነበረ ። ሕሙማት ይሓውዩ ፣ ኣጋንንቲ ይወጹ፣ ብልሳን ይዛረቡ፣ ቃል ኩሉ ብተግባር ኔሩ። ቃል ካብ ኣፍ እቶም እቶም ሓቀኛ ኣመንቲ ወዲቁ ኣይፈልጥን፤ ኣብዚ መወዳእታዘመን ድማ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረት ሓቀኛ መርዓት ናይ እቲ ቃል ንላዕሊ በርቲዑ ዓብዩ ን ኣሎ። ኦ! ሒደት መጓሰ፣ ነቲ ቃል ሓዝ፣ ልብኻን ኣፍካን በቲ ቃል ምልኣዮ፣ ሓንቲ ምዓልቲ ድማ መንግስቲ ኽህበካ እዩ።

7. ገጹ ከም ጸሓይ።

ኣብ ራእይ 21፡23 “እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።” እነሃ ሓዳስ የሩሳሌም። እቲ ገንሸል ኣብታ ኸተማ ኽህሉ ብህልውና ኡ ድማ ደጊም ጸሓይ በሪቃ ኽትዓርብ ኣየድልያን ንሱ ባዕሉ ብርሃና ክኾነላ እዩ ። ናብኡ ዝቀረበት ሃገር ዘበልት ኩላ ድማ ብብርሃን ክትመላለስ እያ። እዚነገር ኣብ ዘመንና ምዃኑ ኣየሓጉስንዶ? እምበኣር ዮሃንስ እታ መዓልቲ ክትመጽእ ረኣየ። እወ ጎይታ የሱስ ቶሎ ንዓ።

ሚልኪያስ 4፡1-3 “እንሆ፣ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ እሞ፣ ኵሎም ዕቡያትን ረሲእነት ዚገብሩ ዘበሉ ዅላቶምን ብርዒ ኪዀኑ እዮም፣ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ንእኦም፣ ሱር ወይስ ጨንፈር ከይሐደገት፣ ሞዅ ከተብሎም እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 2 ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፣ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩን ኢኹም። 3 በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹምሓመዅስቲ ኪዀኑ እዮም እሞ፣ ንረሲኣን ክትረግጽዎም ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” እነሆ እንደገና ። እቲ ኣብ ማእኸል እተን ሾ ብዓተ ወርቂ መቅረዝ ብሓይሊ ዘብርህ ወዲ ኣምላኽ እቲ ምእንታና ዝተሳቀየ ዝሞተ፤ ሙሉእ ቁጥዓ ኣምላኽ በይኑ ዝጾረ፤ እቲ ከም ዝረሰነ እቶን ዝፈልሐ ቁጥዓ ኣምላኽ በይኑ ዝጾረ ወዲ ኣምላኽ እነሆ ከምፈራዲ ደው ኢሉ ብሓይሊ የብርህ ኣሎ። ከምቲ ዝበልናዮ ድማ ድምጹ ነቶ ም ሓጥኣን ከም ድምጺ ብርቱዕውሑጅ ማይ ጫዕጫዕታ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ምስ ዘሎ ዓበይቲ ኣኽራን ዝላተም ብርቱዕ ማዕበል ሞት እዩ። ነቶ ም ቅዱሳኑ ግና ድምጹ ከምቲ ዓሪፍካ ትሰምዖ ጥዑም ውሓዚ ድምጺ፤ ዕረፍቲ ሓጎስ ክርስቶስ እዩ። ጨረር ፍቅሩ ኣብ ልዕሌና እንዳንጸባረቀ “ ኣይትፍራህ እቲዝነበረን ዘሎ ን ዝመጽእን ኩሉ ኽኣልን ኣነ እየ፤ ብጀካይ ኻልእ የልቦን ኣልፋን ኦሜጋን ኩሉ ብኹሉ ዝመልእን ኣነ እየ።” ንሱ ዕምበባ በረኻ ድሙቅ ኮኾብ ወጋሕታ እዩ፤ ካብ ኣእላፋት ንሱ ይበልጸኒ፤ እወ እታ ዓባይ መዓልቱ ፈውሲ ኣብ ኣኽናፋ ሒዛ ከም ጸሓይ ጽድቂ ክትበርቅ ተዳልያ ኣላ።

Read the full account in... ራእይ ጳጥሞስ።


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።


ራእይ ዮሐንስ።
Continues on next page.
(ኦም ህይወት። Original Sin።)


መዓልቲ ምሕረት
ተወዲኡ እወ
ፍርዲ ክፈርድ
ብሃልሃልታ
ሓዊ ኣዒንቱ
ተዳልዩ ኣሎ።


  The Scripture Saith...

ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።

ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ።

ራእይ 1፡17,18


Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


He is the I am.

 

Christ. In the golden
candlestick.

Acts of the Prophet.

(PDF)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF)

Mountainside and
rosebush in snow,
in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid
rock.


Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham