መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ፡


  ራእይ ዮሐንስ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተክርስትያን ሎዶቅያ።

ራእይ 3፡15-19
“ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። ብንብረት፡ ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ።” (KJV ተመልከት)

ነዚ ቃል ሓቢርና ኣብ ዘንበብናሉ እዋን፡ መንፈስ ብዛዕባ እዛ ዘመን ሓንቲ ነገር ጥራይ ከምዘይተዛረበ ከምዘስተውዓልኩም ርግጸኛ እየ።

ፍርዱ ኣብ ልዕሊኦም ዝገብረሉ ኽልተ ኽሲታት ይሰርሕ።

(1) ራእይ 3፡15-16 “ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።”

ነዚ ብጥንቃቀ ክንርእዮ ኢና። እዛ ጉጅለ ቤተክርስትያን ዘመን ሎዶቅያ ልብጥ ዝበለት ከምዝኾነት ይነግር ኣሎ። ስለዚ ልቡጥነታ ድማ ካብ ኣምላኽ መቅጻዕቲ ከምርድ እዩ። መቅጻዕቶም ድማ ኻብ ኣፉ ጡፍ ክበሃሉ እዩ። ብዙሓት መጓሰታት ፋሉል ዝኸዱሉ ኣካይዳ ኸይንኸይድ ክንጥንቀቀሉ ዝግበኣና እዚ እዩ። ብዙሓት ዓያሹ፡ ኣምላኽ ካብ ኣፉ ጡፍ ክብለካ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ከም ናይ ጽንዓት ቅዱሳን ዝኣመሰለ ሓቀኛ ሰረተ እምነት ዘይምህላዉ የረድኣካ ይብሉ። ኣተሓሳስባኹም ክእረም ይደሊ ሕጂ። እዚ ፍቅዲ እዚ ንቤተክርስትያን ብሓፈሻ እምበር ንግለሰብ ዝተውሃበ ፍቅዲ ኣይኮነን። ንቤተክርስትያን እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ቃል ኣብ ሓሳብኩም እንተ ሒዝኩምዎ ኣብ ኣፍ ኣምላኽ ከም ዘለና ዝነግር ቃል ፈጺምኩም ከምዘይትረኽቡ ከተስተውዕሉ ኢኹም። ኣብ መዳፈ ኣእዳዉ፣ ኣብ ሑቅፊ መዓሙቁ፣ ኣብ ደንበኡ፣ ኣብ ሕዛእቱ እምበር፡ ኣብ ኣፉ ዝብል ፈጺሙ የለን። ኣብ ኣፍ ጎይታ እንታይ ይርከብ? ቃል ኣብ ኣፉ እዩ ዘሎ። ማቴዎስ 4፡4 “የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።“ ስለዚ እቲ ቃል ኣብ ኣፍና ኽህሉ ይግባእ። ቤተክርስትያን ኣካሉ ምዃና ንፈልጥ ኢና፡ ብዛዕባ ስፍራኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ኣብ ኣፍ እታ ቤተክርስትያን ዝህሉ እንታይ እዩ? እቲ ቃል። 1ይ ጴጥሮስ 4፡11 ”ዝዛረብ እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይዛረብ።“ 2ይ ጴጥሮስ 1፡21 ”ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።“ ካብቲ ቃል ዘቢሎም፣ ድሕሪደጊም ውዑያት ኣይኮኑን፡ ከምዚ ልብጥ ዝበሉ እዮም። ከረጋግጸልኩም እየ ሕጂ።

መጥምቃውያን፡ ብመሰረት ቃል፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓትን ሰረተ እምነትን ኣለዎም፡ ከተነቃንቅዎም ኣይከኣልን። ሓወርያዊ ዘመን ተኣምራት ሓሊፉ እዩ፡ ድሕሪ እምነት ዝኸውን ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ዝበሃል የለን ይብሉ። ሜተዲስታውያን ድማ፡ (ብመሰረት ቃል)ጥምቀት ማይ ዝብልዎ የለን (ምንጻግ ጥምቀት ኣይኮነን) ቅድስና ማለት ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ እዩ ይብሉ። ቸርች ኦፍ ክራይስት ብጥቀት ማይ ዳግም ህይወት ይጥመቁ፡ መብዛሕቲኦም ድማ፡ ሰረተ እምነቶም ካብ ቃል ከም ዝኾነ ይዛረቡ፡ ነገር ግን ደረቕ ሓጢያተኛ ኮይኖም ይጠልቑ እሞ፡ ርሑስ ሓጢያተኛ ኮይኖም ይወጹ። መስመር ሒዝኩም ኪዱ እሞ ናብ ኣመንቲ ጴንጤቆስጤ ምጹ፡ ቃል ኣለዎምዶ? ቃል ሃቡዎም እሞ ፈቲንኩም ርኣዩ። ኩሉ ጊዜ ቃል ኣምላኽ ንስሚዒታቶም ይሸጡ። ልሳን፣ ዘይቲ፣ ተኣምር፣ ደም ዝኣመሰሉ ነገራት እንተኣርኢኹምዎም፡ ካብ ቃሉ ይኹን ኣይኹን፡ ብቃሉ ዝተተርጎመ ይኹን ኣይኹን መብዛሕቲኦም ይወድቁሉ። ቃልከ ድኣ እንታይ ኮነ? ቃል ተናዒቁ። ስለዚ ኣምላኽ ይብል፡ “ክጻረረኩም እየ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለኩም፡ ይኣክል። ካብ ሾብዓተ ዘመናት ሾብዓቲኡ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ብቃለይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ይሙገሱ። ስለዚ ኣብ ፍጻመ እዚ ዘመን እዚ ካብ ኣፈይ ክተፍኣኩም እየ። ይኣክል። ኣጸቢቀ ክዛረብ እየ። እወ፡ ኣብ ማእኸል ማሕበር እየ ዘለኹ። ኣነ እቲ ናይ ኣምላኽ ኣሜን፣ እሙንን ሓቀኛን ገዛእ ርእሰይ ክገልጽ እየ። እዚ ድማ ብነብየይ ክኸውን እዩ።” ኦ! እወ ኣብ ራእይ 10፡7 ዘሎ ንሱ እዩ፡ “ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ።” እነሀ እምበኣር፡ ዝተመስከረሉ ንብዪ ይልእኽ ኣሎ። ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመታት ነብዪ ይልእኽ ኣሎ። ኻብ ትካላት ሃይማኖት ዝረሓቀ፣ ካብ ትምህርቲ ዓለም፣ ከም ዮሃንስ መጥምቅን ኤልያስን ካብታ ዓለማዊት ሃይማኖት ዝረሓቀ ነብዪ። ካብ ኣምላኽ ጥራይ ክሰምዕ እዩ ዝሰምዖ ድማ ካብ “ጎይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ” ስለዝኾነ ስለ ኣምላኽ ክዛረብ እዩ። ኣፍ ኣምላኽ ክኸውን፣ ከምቲ ኣብ ሚልኪያስ 4፡6 ዝተኣወጀ ድማ ንልቢ ደቂ ናብ ኣቦታት ክመልስ እዩ። ሕሩያት መወዳእታ ዘመን ክመልስ፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ከም ጳውሎስ ሓቂ ዝሓዘን ዝተመስከረሉን ነብዪ ዝዛረቦ ክሰምዑ እዮም። ነቲ ቀደም ሒዞምዎ ዝነበሩ ሓቂ ከቃንዕ እዩ። እቶም ምስኡ ዝኾኑ ሕሩያት እታ ዘመን ድማ፡ ኣካል ጎይታ ዝኾኑን፣ ንጎይታ ዘግህዱን ግብርታቱ ንኽፍጽም ድምጹ ዝኾኑዎን ንሳቶም እዮም። ሪኢኹምዶ? ሃሌሉያ። እቲ ሕሉፍ ታሪኽ ቤተክርስትያን፡ እዚ ሓሳብ እዚ ትኽክል ምዃኑ ከረጋግጸልኩም ይኽእል እዩ። ኣብ መዓልታት ዘመን ጸልማት፡

ቃልኣምላኽ ፈጺሙ ካብቲ ህዝቢ ተወሲዱ ጠፊኡ ነበረ። ኣምላኽ ግና ቃሉ ኣትሒዙ ንማርቲል ሉተር ልኣኸ። ተኸተልቲ ሉተራውያን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓደ እዋን ስለ ኣምላኽ ደው ኢሎም ነይሮም፡ ደሓር ግና፡ ኣብ ክንዲ ትሑት ቃል፡ ስርዓት፣ ሰረተ እምነት ብምትካል ናብ ትካላዊ ዝንባለ ብምኻድ ነቲ ንጹህ ቃል ለወጡ። ስለዚ ድሕሪ ደጊም ስለ ኣምላኽ ክዛረቡ ስለዘይኽእሉ፡ ኣምላኽ ንዌስሊ ልኣኸ። ንሱ ድማ ኣብ ዘመኑ ቃል ሒዙ ድምጺ ነበረ። ነቲ ንሱ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ምግላጽ ዝተቀበሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣብ ትውልዶም ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝንበቡ ህያዋን ደብዳቤታት ነበሩ። ሜተዲስታውያን ምስወደቁ ድማ፡ ኣምላኽ እቲ ናይ መወዳእታ ልኡኽ ናብ ምድሪ ኽሳብ ዝልእኽ ካልኦት ኣተንስአ። ኣብ ትሕቲ መወዳእታ ድምጺ ነታ ናይ መወዳእታ ዘመን ድማ ኣብዛ ምድሪ ኻልኦት ሰባት ኣለዉ።

እወ፡ ቤተክርስትያን ድሕሪ ደጊም “ኣፍ ኣምላኽ” ኣይኮነትን። ናይ ባዕሉ ኣፍ ኣለዎ። ስለዚ ኣምላኽ ይርሕርሓ ኣሎ። በቲ ንብዪን በታ መርዓትን ገይሩ ከፍሽላ እዩ ድምጹ ኣብታ መርዓት ስለ ዝህሉ። እወ፡ ከምኡ እዩ፡ ኣብ ራእይ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ፍቅዲ 17 “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ።” ብምባል ይገልጽ። ስለዝ ከምቲ ኣብ ጴንጤ ቆስጤ ዝነበረ ዓለም ቀጥታ ካብ ኣምላኽ ክትሰምዕ እያ። እታ መርዓት ግና ብርግጽ ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ዝኾነ ክትንጸግ እያ።

ነዛ ናይ መወዳእታ ዘመን ከምዚ ብምባል ድምጹ ኣልዒሉ ይዛረባ “ቃል ኣለኩም፣ ካብ ቀደም ንላዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ መሊኡኩምኣሎ፡ ይኹን እምበር፡ እትደልይዎ ብምውሳድን ዘይትደልዩዎ ብምግዳፍን ቆራሪጽኩምዎ እምበር፡ ምንም ዘመሓየሽኩምዎ ነገር የለን። ንኽትነብሩሉ ዘይኮንኩም ንኽትካትዑሉ ጥራይ እዩ ድልየትኩም። ብኻ ዝሑል ወይ ትኩስ ኮይንኩም። ዝሑላት ኮይንኩም እንተትቃወሙዎ፡ ምተጻወርኩ።

ውዑ ያት ኮኡንኩም ሓቂ እንተትፈልጡሞ እንተትነብሩሉ፡ ምመጎስኩኹም ነይረ። ነገር ግን ቃለይ ተቀቢልኩም እንተዘይ ኣኽቢርኩምዎ፣ ኣነውን ኣየኽብረኩምን።

ኣስገድጊድኩምኒ ኣለኹም እሞ ኻብ ኣፈይ ክተፍኣኩም እየ። ”ዝሁም (ልብጥ) ማይ ኸብዲ ከም ዘቅለውልው ኩሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ። ከተምልሱ እንተደሊኹም ዝሁም ማይ ምስታይ ዝበለጸ እዩ። ልብጥቲ ቤተክርስትያን ድማ ንኣምላኽ ተቅለውዎ፡ ስለዚ ድማ ካብ ኣፉ ጡፍ ከም ዝብላ ኣወጀ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ስሚዒቱ የዘክረና፡ ኣይኮነን? ንኣምላኽ ድያ ቤተክርስትያን ውዕይትን ዝሕልትን ዝነበረት።

እቲ ዝበለጸ፡ ውዕይቲ እንተትኸውን ነይሩ። ነገር ግን ኣይኮነትን። ፍርዲ ተሓላሊፉ እዩ።ድሕሪ ደጊም ንዓለም ዝኸውን ድምጺ ኣምላኽ ኣይኮነትን። እየ ኢላ ክትቃለስ እያ ኣምላኽ ግን ኣይኮነትን ኢሉ እዩ። ኦ! ኣምላኽ ከምቲ ድምጹ ንመርዓቱ ዝሃባ፡ ንህዝቢ ዓለምዝኸውን ድምጺ እውን ገና ኣለዎ።ከምቲ ዝበልናዮ ድማ ድምጹ ኣብታ መርዓት እዩ ዘሎ፡ ገና ድማ ብዛዕባኡ ክንዛረብ ኢና።

(2) ራእይ 3፡17-18 “ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ።”

መጀመርታ እታ “ብምባልካ” እትብል ፈላሚት ሓረግ እስኪ ነትኩረላ። ርኢኹም ዝብልዎ፣ ዝዛረብዉነገር ኔርዎም ማለት እዩ። ከም ኣፍ ኣምላኽ ይዛረቡ ነይሮም። እቲ ኣብ ፍቕዲ 16-17 ዝተዛረብኩዎ እንታይ ምዃኑ እዚ የረጋግጸልና። ነገር ግን ዋላኳ ይበሉ እምበር፡ ሓቂ ግና ኣይኮነን። ካቶሊክ ቤተክርስትያን ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ከም እትዛረብን፡ ውሕስቲ ድምጺ ጎይታ ምዃናን ትዛረብ። ማንም ሰብ መንፈሳዊ ኽፍኣት ክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ብዙሓትውን ይፈልጥ እየ። ዘፍርይዎ ፍረ ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ዘርኢ እዩ፡ እቲ ዘርኢ ካበይ ከምዝብገስ ድማ ንፈልጦ ኢና፡ ኣይኮነን ድዩ?

ቤተክርስትያን ሎዶቅያ እትብሎ ዘላ፦ “ሃብታም 'የ ብዓልቲ ጸጋ፡ ዘድልየኒ ኻሊእ የለን” ብምባል ግምት-ገዛእ ርእሳ ትወስድ ኣላ። ንርእሳ ተመልኪታ፡ ዝረኣየቶ እዚ እዩ። ከምዚ በለት “ሃብተም እየ” ብዓለማዊ ነገራት ብዓልቲ ጸጋ ማለት እዩ። ኣብ ቅድሚ ያዕቆብ 2፡5-7 እያ እትምካሕ ዘላ፡ “ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፡ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ?” ሃብታም ሰብ መንፈሳዊ ክኸውን ኣይኽእልን ኢለ ኣይኣምንን፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ግና ሒደት ጥራይ ከም ዝኾኑ እዩ ዝዛረብ። ኣብዛሓ ኣካል እታ ሓቀኛ ቤተክርስትያን ብስጋ ድኻ እዩ ዝበዝሓ። ሽዑ ቤተክርስትያን ሃፍቲ ብሃፍቲ ክትከውን እንከላ፡ ሓደ ነገር ጥራይ ኢና እንርዳእ “ኢካቦድ” ኣብ ደጌታታ ዝጸሓፍ ንሱ እዩ። ክትክሕዱዎ ኣይትኽእሉን ቃል ዝምስክሮ ንሱ እዩ።

Read the full account in... ዘመን ቤተክርስትያን ሎዶቅያ።


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Mountainside and
rosebush in snow,
in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid
rock.

We know that
this is the last
age because
Israel
has gone back
to Palestine.


  The Scripture Saith...

እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።

ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።

እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።

ራእይ 3:20-22


ራእይ ዮሐንስ።
Continues on next page.
(ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።)



Message Hub... Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham