ምህሮ በልዓም፡፡


  ራእይ ዮሐንስ።

ምህሮ በልዓም፡፡


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተክርስትያን ጴርጋሞስ፡፡

ራእይ 2፡14
“ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ አሎኹ።”

ስለዚ ኣቋም ኒቆላውያን ኣብ ቤተክርስትያን ኣእቲኹም ካልእ ሰረተ-እምነት (Doctrine) ንኸይተእትዉ ክትከላኸሉስ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣስተውዕሉ፤ ኣምልኾኹም ብቃል ኣምላኽን ምንቅቃሕ መንፈስ ቅዱስን ከይኸውን እንተድኣ ነጺግኩምዎ፤ (ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም።) እምበኣርከስ ኣብ ክንድኡ ዝትክእ ካልእ ዝዓይነቱ ስርዓት ኣምልኾ ክትህብዎም ይግባእ። እቲ ዝትክእ ድማ በልዓማዊነት ይበሃል።

ኣብ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ቤተክርስትያን እንታይነት ምህሮ በልዓም ክንርዳእ እንተድኣ ደሊና፤ ተመሊስና ኣብታ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤተክርስትያን ተመሊስና ምስ'ዛ ሳልሰይቲ ዘመን ንምዘኖ እሞ፤ ምስ'ቲ ዘለናሉ ዘመን ድማ ነነጻጽሮ።

ታሪኹ ኣብ ዘህልቊ 22፡25 ኢና እንረኽቦ ። ኤስራኤል ምሩጻት ኣምላኽ ምንባሮም ንፈልጥ ኢና። ናይ ዘመኖም ጴንጤ ቆስጤኣውያን ነበሩ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ደሙ ጸግዒ ረኸቡ፣ኩሎ ም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብጥምቀት ሓሊፎ ም ካብቲ ማይ ወጽኡ፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ድማ ማርያም ምስ ከበሮኣ ብመንፈስ ሳዕስዑ። ጽቡቅ! ድሕሪ ሒደት ጉዕዞ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ሞኣብ ኣተዉ። ሞኣብ መን ከምዝኾነ ትዝክሩ ኢኹም። ንሱ ሎጥ ካብታ ሓንቲ ጓሉ ዝወለዶ እዩ ። ሎጥ ድማ ወዲ ሓፍቱ ንኣብርሃም እዩ፡ ስለዚ እስራኤልን ሞኣብን ኣዝማድ ዮም። እዚ ክትርእይዎ እየ ዝደልየኩምዘለኹ፡ ሞኣባውያን ይንበሩሉ ኣይንበሩሉ ነቲ ሓቂ ይፈልጥዎ እዮ ም።

እምበኣር እስራኤል ኣብ ገማግም ሞኣብ መጺኦም ናብ'ቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎ ም መልእኽተኛታት ለኣኹ “ ኣሕዋት ኢና፡ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ ፡ብጐደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ።” ንጉስ ባላቅ ግና ሰን በደ። ርእሲ ኒቆላ ውያን ዝኾ ነ እዚ ድሩብ እዚ ብድንቅን ተኣምራትን ብዝተፈላለዩ ፍረታት መንፈስቅዱስ ተዓጂባ ብክብሪ ኣምላኽ ድማ ገጻ እተንጸባርቅ ቤተክርስትያን ከሕልፋ ኣይፈተወን። ሕዛእቱ ከም ዝውረስ መሰሎ እሞ እስራኤል ብመሬቱ ከይሓልፉስ ባላቅእምቢ በለ። ብርግጽ እውን ፍርሒ ዓዚዙዎ ስለዝነበረ ኣብ ሞንጎኡን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኮይኑ ክልምን እሞ ሓያል ኣምላኽ ንእስራኤል ክረግመሉ በልዓም ናብ ዝበሃል ነብዪ ኸደ። በልዓም ድማ ኣብ ፖለለቲካዊ ጉዳያት ተሳታፊ ንምዃንን ብድልየት ልዑል ክብርን ብምስዳዕ ከምኡ ክገብረሉ ኸደ። እዚ ብምርኣይድማ መጀመርታ ካብ ኣምላኽ ተደማጽነት ንምርካብ ነቲ ህዝቢ ንኽረግም ናብ ኣምላኽ ክቀርብ ፈተወ። ብገዛእ ርእሱ ከምዘይገብሮ፤ ንኽኸይድ ፍቃድ ኣምላኽ ክሓትት ናብ ኣምላኽ ኸደ። ኸምዚ ኣብ ዘመንና ዘለዉ ብመንገዶ ም ዘይከደ ዘበለኹሉ ዝራገሙ ኒቆላውያን 'ዶ ኣይመስልን?

በልዓም ፍቃድ ኣምላኽ ክሓትት ምስ ከደ ኣምላኽ ድማ መለሶ ። ማ..ይ ዝገርም! ነገር ግን ባላቅ ካብቲ ቀዳማይ ዝበልጽ ክብርን ክፍሊትን ብምጥቃስ ኣይፋልካን በለ። ስለዚ በልዓም ናብ ኣምላኽ ደጊሙ ኸደ። ካብ ኣምላኽ እኮ ሓንቲ መልሲ እኽልቲ እያ ነይራ። ነዚ ሱሱዕ በልዓም ግና እኹል ኣይነበረን። ጎ ይታ ጥመት ናይ በልዓም ምስረኣየ ግና ኪድ በሎ፡ ሽዑ ብሽዑ ድማ ኣድጉ ተወጢሑ መንገዱ ኸደ። ንፍትወት ፍቃዱ ኣሕሊፉ ዝህብ ነጻ ፍቃድ ከምዝነበረ ከይኣስተውዓለ ኸደ። ዕስራ ጊዜ ኸይዱ ዕስራ ጊዜ ክረግሞም እንተዝፍትን ኣይምኾነሉን ነይሩ። ኣብዚ ዘመን ዘለዉ ሰባት ድማ ልክዕከም በልዓም እዮም። ብሰለስተ ኣማልኽቲ ይኣምኑ፣ ኣብ ክንዲ ብስም ድማ ብመዓርጋቱ ይጥመቁ እሞ ከምቲ መንፈሱ ኣብልዕሊ በልዓም ዘውረዶ ኣብ ልዕሌኦም ድማ የውርድ፡ ቅኑዓት ዘለዉ እንዳመሰሎም ብኸምኡ ኣሚኖ ም ይቅጽሉ፡ ብርግጽ ትኽክለኛታት በልዓማውያን እዚኣቶ ም እዮ ም። ሰረተ-እምነት (Doctrine) በልዓም ሪኢኹሞ ዶ? ከምድላይካ ቀጽል፣ ከም ኣካይዳኻ ኪድ “እወ ፡ ኣምላኽ ባሪኹና ኣሎ፡ ትኽክል ክኸውን ኣለዎ” ድማ ይብሉ። እወ ከም ዝባርኸኩም ይፈልጥ እየ። ንሱ ኣይክሕድን። ነገር ግን እዚ መንገዲ ልክዕ በልዓም ዝሓረዮ ትካል እዩ። ንቃል ኣምላኽ ምሕንጋድ 'ዩ። ምህሮ ሓሶት 'ዩ።

ስለዚ በልዓም መልኣኽ ኣምላኽ ክሳብ ዘጓንፎ ብዕሽነት ከደ። ነገርግን እቲ ነብዪ (ካህን፣ ካርዲናል፣ ኣቦ ወንበር፣ ፕረዚደንትን ሓላዊ ሓፈሻን) ብትምኒት ክብርን ገንዘብን ኣዒንቱ ዓዊሩ ስለዝነበረ ምሉሕ ሰይፊ ሒዙ ኣብ መንገዱ ደውዝበለ መልኣኽ ክርእዮ ኣይከኣለን። ነቲ ዝዓበደ ነብዩ ክኽልክሎ ኣብ ቅድሜኡ ደው በለ። እታ ኣድጊ ርእያቶ ድማ ኣዔመት፡ እግሪ በልዓም ኣብ መንደቅ ክሳብ ዝጋጮ ድማ ኣጣበቀቶ። እቲ ኣድጊ ርእይዎ ደው በለት ክኸይድ ኣይተኽኣላን። ኣይትኽእልን። በልዓም ድማ ብሕርቃን ወሪዱ ነታ ኣድጊ ምቅጥቃጥ ጀመረ። ኣምላኽ ልሳን እታ ኣድጊ ኸፈተ እሞ እታ ኣድጊ ንበልዓም ክትዛረቦ ጀመረት። እታ ኣድጊ ዲቃላ ኣይነበረትን፣ትኽክለኛ ዘርኢ ነበረት እሞ ነቲ ዕዉር ነብዪ “እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩኒ? በለቶ።” በልዓም ድማ መሊሱ “ እወ፣እወ ኣድገይ ኢኺ ክሳብ ሎ ሚ ድማ እምንቲ ኾይንኪ ኣገልጊልኪኒ፣ ሕጂ ግና እንተዘይ ኬድኪ ክቀትለኪየ...” “ ዎ! እንታይ ይበሃል ምስ ኣድጊ ዘረባ? መስሓቅ፤ እታ ኣድጊዝተዛረበትኒ ኣነ ድማ ዝመለስኩላ ኾ ይኑ ተሰሚዑኒ።” ኣምላኽ ብዙሕ ጊዜ ብልሳን ተዛሪቡ እዩ ። ኣብ ዘመን ድግስ ቤልሻጣርን ኣብ በዓለ ሓምሳ ተዛሪቡእዩ ። ሎ ሚ እውን ከ ምኡ ይገብር ኣሎ። ስምዕታ ናይ'ቲ ቀሪቡ ዘሎ ፍርዲ እዩ ።

መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቲ በልዓም ከፈተ እሞ ሻላ ኣድግኻ እምበር ንኣምላኽ ብፍታኑስ ሞ ይቱ ከምዝነበረ ድማ ነገሮ። በልዓም ንኽምለስ ተስፋ ምስሃበ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥራይ ንኽዛረብ ብተግሳጽ ተመለሰ።

ስለዚ ድማ በልዓም ከደ እሞ ሾ ብዓተ መሰወኢታት ድማ ኣቆ መ። ናብ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ክቀርብ ከም ዝግባእስለዝፈልጥ ድማ ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ዘመላኽት ገንሸል ሰውአ። ከምቶ ም ሎሚ ዘለዉ መካኒካዊ ኣሰራርሓ ጥራሕ እምበር ዳይናሚኩ ኣይፈልጦን። ኣይረኣየኩምን ዘሎ? ኒቆላውያንነት። እስራኤል እኮ ኣብ ሽንጥሮ ኾ ይኖ ም ተመሳሳሊ መስዋእቲ ሓደ ዝዓይነቱ ነገራት ይገብሩ ኣለዉ፣ ምልክት ዝኽተሎ ግና ሓደ ጥራሕ እዩ። ሓደ ጥራሕ ኣብ ማእኸሎም ኣምላኽ ዝነበሮ ም። ስርዓት ኣግባብን ኣካይዳን ኣብ ገለ ኣየብጽሐኩምን። ስፍራ መንፈሳዊ - ምግሃዳት ኣይወስድን። ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝገበርዎ ድማ እዚ እዩ ሰረተ-እምነት ኣምላኽ ዘይኮነስ ሰረተ-እምነት በልዓም ሓወሱ። በዚ ድማ ተዓንቀፉ፡ ወደቁ ኩሎም ምዉታን ሰባት ኮኑ።

መስዋእቲ ምስ ተመዓራረየ በልዓም ንእስራኤል ብትንቢት ክረግም ተዳልዩ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ልሳኑ ገትኦ እሞ ኣብ ክንዲ መርገም ባረኾም። ባላቅ ተቆጥዐ፣ ይኹን እምበር ብመንፈስቅዱስዝተዘረበ ትንቢት ስለ ዝነበረ በልዓም ክገብሮ ዝከኣሎ ነገር ኣይነበሮን። ባላቅድማ ምናልባት ክረግሞም ዝኽእለሉ ኻልእ ጫፍ ብድሕሪቶ ም እንተረኣየስ ናብቲ ሽንጥሮ ክኸይድ ሓተቶ። እቲ ባላቅ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ እቲ ሎሚ ሎሚ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሜላ ዓይነት እዩ ። በቢዓበይቶ ም ትካላት ሃይማኖት ነቶ ም ሒደት ይጥምትዎ ም እሞ ኣብ ሞንጎ ኦም ነውሪ እንተድኣ ረኺቦ ምሎም ነቂሶ ም የውጽኡዎ እሞ ይእውጁ። እቶ ም ቀንዲ እኤና ዝብሉ ሓጥያት እንተገይሮም ገለ እኳ ኣይዛረበሉን፡ ነገርግን ሓደ ካብቶ ም ሕሩያት ነቊጣ ጥፍኣት ጥራሕ ትረኸቦ፡ ኣብ ሃገር ምሉእ ዘለዋ ወረቃቅቲ ኹለን ምእዋጅ ይጅምራ። እወ እስራኤል ድኻም ነበራ (ስጋዊ) ኽፍሊ ነበራ። ድኹም ጎ ኒ ነበሮም፡ ነገርግን ኣብ ክንዲ ድኹም ጎኖም በቲ ካብ ጸጋኡ እምበር ካብ ግብሪ ዘይኸውን ሕርየት ኣምላኽ ብመዓልቲ ዓንዲ ደመና ብለይቲ ድማ ብዓንዲ ሓዊ ነበሮም፣ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝኾነ ግሉጽ ምልክታት ዉቁዕ ከረን፣ ተመን ነሃስን ምልክትን ተኣምርን መርትዖ ነበሮም።

Read the full account in... ዘመን ቤተክርስትያን ጴርጋሞስ፡፡


ራእይ ዮሐንስ::
Continues on next page.
(ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።)


English Newsletter Site.

ራእይ ዮሐንስ::

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

  The Scripture Saith...

ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።

ኦሪት ዘዳግም 6:4


Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Mountainside and
rosebush in snow,
in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid
rock.

God has
many titles ...
but He has only
one human name
and that name
is Jesus.



Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham