ራእይ ዮሐንስ::


  Book of Revelation series.

ራእይ ዮሃንስ እንዳተባህለ ይጸዋዕ እምበር።


William Branham.

Read the full account in...
ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ::

ራእይ ዮሐንስ 1:1-3,
1: እቲ ቐልጢፉ ክኸዉን ዘለዎ ንባሮቱ ምእንቲ ኸርእዮም ኢሉ : ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ : ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርኣዮ። 2: ንሱ ንቃል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን : ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ኹሉ መስኪሩ ኣሎ። 3: እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ : እቲ ነዚ ቃል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዝሰምዕዎን ዝሕልዉዎን ብጹኣን እዮም።

ጸሓፊ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ (ደራሲ ኣይኮነን) ቅዱስ ዮሃንስ ዘመሎኮት ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ከሎ ኸም ዝጸሓፎን መወዳእታ ዘመን ህይወቱዉን ኣብ ኤፌሶን ከም ዝነበረን ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝሰማምዑሉ ሓቂ እዩ:: እዚ መጽሓፍ እዚ ታሪኽ ህይወት ዮሃንስ ዝትርኽ መጽሓፍ ዘይኮነስ ከምቲ ኣብ ቁጽሪ 3 ነዚ ቃል ትንቢት እዚ ኢሉ ዝገለጾ: ትንቢት ምግላጽ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብተን ዘዘመነን ሓልየን ዝግለጻ ኣብያተ ክርስቲያናት እዩ።

መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ዋላኳ ብልምዲ ራእይ ዮሃንስ እንዳተባህለ ይጸዋዕ እምበር: ኣብ ዘመናት ኩሉ ንዝግለጹ ክርስትያናት ብኢድ ጸሓፊ ዝተዉሃበ ራእይ ናይ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ኩሎም መጻሕፍቲ ፍልይ ዘብሎ ድማ: የሱስ ክርስቶስ ብቐጥታ ተገሊጹ ብኢድ ጸሓፋይ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ምኳኑ እዩ።

መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ኣብ መወዳእታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መጽሓፍ ኮይኑ ብዛዕባ ኣጀማምራን ኣፈጻጽማን ምልኣት ወንጌል ዝገልጽ እዩ።

ብኣገላልጻ ግሪኻውያን ራእይ (REVELATION) ኣፖካሊፕስ (APOCALYPSE) ማለት ግሉጽ ፤ ዘይተኸድነ፤ ዝተኸፈተ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ከምዚ ክስራሕ ዝጸንሐ እሞ ንርኣይቱ ዝተኸፈተ ሓወልቲ ወይ ድማ ተጎልቢቡ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሰራሒ ቅርጻ ቕርጺ ንርኣይቱ ክኸፍት ከሎ ። ብጉልባብ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ሕጂ ግና ዝተርኣየ። እዚ ኹሉ ብዛዕባ ምግላጽ ስብእና ክርስቶስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብተን ሰዒበን ዝግለጻ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያን ዝሰርሖ ስራሕ እዉን ማለት እዩ። ጥቕሚ ምግላጽ (ራእይ) ካብ እተስተውዕልዎ ንላዕሊ እዩ ንሓደ ሓቀኛ ኣማኒ ብዛዕባ ጥቕሚ መንፈሳዊ ምግላጽ ክንብል ከለና ዝተጋነነ ኣይኾኖን። ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ማለተይ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ብዛዕባ ምግላጽ እየ ዝብል ዘለኹ። ንቤተክርስትያን ዘድልያ እውን እዚ እዩ።

ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 16 ጎይታ ንደቀ መዝሙርቱ ዝሓተቶም ሕቶ ትዝክሩ ዶ?
“ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ? ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ ካልኦት ድማ ኤልያስ ገሊኦምዉን ኤርሚያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ ኣለዉ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣለኹም? በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ ፡ ስምኦን ወዲ ዮና ፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኽኣ እብለካ ኣለኹ ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ክሃንጻ እየ። ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን በሎ።“

ኣስተውዕሉ ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ክሃንጻ እየ። ክብል ከሎ ኣብ ጥቓኡ እግዚኣብሄር ዘዳለዋ ዓባይ ከውሒ ስለ ዝነበረት ኣይኮነን ክሃንጻ እየ ዝበለ ወይ ድማ ሮማ ካቶሊክ ከም እትብሎ ማሕበር ኣምላኽ ኣብ ጴጥሮስ ኣይተሃንጸትን ከመይ ኢሉኸ ንማሕበሩ ኣብ ድኹምን ክሓድን ተራጋማይ ሰብን ክሃንጻ ? እግዚኣብሄር ንማሕበሩ ኣብ ብሓጢኣት ዝተወልደ ሰብ ኣይሃንጻን እዩ ። እዚ ስጋዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ከምቲ ፕሮቴስታንት ዝብልዎ ኣብ የሱስ እውን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ? ኩሉ ኣብ ብምግላጽ እዩ። እስኪ ከምቲ ዘለዎ ጌርኩም ኣንብብዎ ፡ ኣቦይ እምበር ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን ስለዚ ኣብዚ ከውሒ እዚ ንማሕበረይ ክሃንጻ እየ (ኣብ ምግላጽ ዩ)። ቤተ ክርስትያን ኣብ ምግላጽ እያ ተሃኒጻ። እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ።

እስኪ ነስተውዕል ከመይ ጌሩ ኣቤል እቲ ትኽክለኛ መስዋእቲ ደም ከቕርብ ኪኢሉ? ብኸመይ መንገዲ? ቃየን እንተድኣ ኣስተብሂልኩምሉ ኣምላኻዊ ትእዛዝ እንዳተነገሮ ትኽክለኛ መስዋእቲ ከቅርብ ኣይተኽኣሎን። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣፈላላይ ዝፈጠረ ንኣቤል ድማ ናይ ዘለኣለም ሂወት ክረክብ ዘኽኣሎ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ምግላጽ እዩ። ምናልባት ብዛዕባ ኣምላኽ ብሩቱዕ ኣንደበት ብፓስተራትኩምን ከምኡ ድማ ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም ይኹን እምበር የሱስ ባዕሉ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነን ኣምላኽ ባዕሉ መድሓኒ ከም ዝኾነን ከምኡ ድማ ስርየት ሓጥያት ብኣሰራርሓ ደም ምዃኑ እንተዘይተረዲኡኩም ዘለኣለማዊ ሂወት ክትረኽቡ ኣይትኽእሉን። መንፈሳዊ ምግላጽ እዩ ኩሉ።

ኣቀዲመ ከምዝገለጽኩዎ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ የሱስ መን ከም ዝኾነን ኣብተን ሲዒበን ዝግለጻ ሾብዓተ ዘመናት ናይ ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያናት፤ ብተኸታታሊ ዝሰርሖ ስራሕ እንታይ ከም ዝኾነን ዝገልጽ መጽሓፍ እዩ። ብምብራህ ቃሉ ጥራሕ ዝፍለጥ ስለዝኾነ ሓዋርያቱ እውን፤ ኣቀዲሙ ዝገለጸሎም ነገር ስለዘይነበረ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሾብዓቲኤን ዘመናት ክሰርሖ ዘለዎ ሓቂ ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ትዝክሩ እንተኾንኩም፦ ደቂ መዝሙሩ ጎይታ ክሰርሓ ዝመደባ መንግስቲ ሰማያዊት ሙዃና ስለዘይተረድኦም ጎይታይ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ከተቅንዕ ኢኻ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፦ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኮነን። በሎም። ንሱ ኣብ እቲ ስራሕ ኣቦ ዝነበሮ ግደ፤ ኣቦ ስለዘይገለጸሉ ብዛዕባኡ ኣየርኣዮምን፤ ነገር ግን ሞንጎኛ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ኣገልግሎት ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ኣብተን ክሰርሐን ዝመደበን ናይ ቤተ ክርስትያን ሾብዓተ ዘመናት ክብሩን ህልዉናኡን ንቤተ ክርስትያን ዘለዎ ትርጉም ንኸርኢ ንዮሃንስ ኩሉ ኣርኣዮ።

ራእይ ዮሃንስ መወዳእታ ሰይጣንን ኽፉኣት ተኸተልቱን እንታይ ከምዝኾነ ይነግረና፡ ብኸመይ መልክዑ ከም ዝስዕሮን ብኸመይ መልክዑ ናብ ሓዊ ከም ዝድርብዮን እንርድኣሉ መጽሓፍ ስለዝኾነ ድማ ሰይጣን ኣይፈትዎን።

ኣብ ዉሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘለዉ መጻሕፍቲ፡ ሰይጣን ኣዕዚዙ ዝጸልአን ክልተ መጻሕፍቲ፡ ኦሪት ዘፍጥረትን ራእይ ዮሃንስን ከም ዝኾና ትፈልጡዶ? እዘን ክልተ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኡን ክፉእ ስራሑን ዘጋልጻ መጻሕፍቲ ስለዝኾና፡ ኩሉጊዜ ከጣምም ይፍትን። ክቃላዕ ኣይፈቱን ብትኽክል ኽፉእ ስራሑ ዘቃልዓ መጻሕፍቲ ድማ ኽልቲኤን እየን። ብብዙሕ መንገዲ ክሓባብል እኳ እንተፈተነ፤ ጎይታ የሱስ ብዛዕባ ስይጣን ፟ ንሱ ኣባይ ኣነ ድማ ኣብኡ ግደ የብለይን ፟ ከም ዝበሎ ቤተ ክርስትያን ንሰይጣን ክሒዳ መንፈሳዊ ምግላጽ ቃል እንተተቐቢላን እንተተመሊኣን ደጌታት ሲኦል ከም ዘይሕይልዋ ስለዝፈልጥ፤ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘለና እምነት ከነጉድል ብሓይሊ ይጽዕር።

እቲ ኣብ ሂወተይ እትርእይዎ ዘለኩም ኣገልግሎት ካብ ላዕሊ ዝተውሃበኒ ጸጋ ምዃኑ ትኣምኑ ኢኹም። መንፈስ ቅዱስ፤ ዝተሓብአን ጎይታ ጥራሕ ዝፈልጦም ሓሳባት ልቢ ሰባትን፤ ምልላይ ሕማማትን ክገልጸለይ ከሎ ሰይጣን ከመይ ከም ዝስንብድ ምሳይ ኰንኩም ምርኣይ እንተትኽእሉ ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ። ሰይጣን ክቃላዕ እንከሎ ገጽ ሰባት ከመይ ከም ዝብል ምርኣይ እንተትኽእሉ ማለተይ ብዛዕባ ሰባት ዘይኮንኩ ዝብል ዘለኹስ ሰይጣን ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ብሓጢኣት፣ ብምፍልላይ፣ ብሕማም ተጠቒሙ ክኣስሮም እንከሎ ገጾም ኣብ እትርእዩሉ ጊዜ ሰይጣን ምቅላዑ ስለዝፈልጣ ኣብ ገጽ እቶም ሰባት ፍልይ ዝበለ ባህርይ የንጸባርቅ። ሰይጣን ፈራሕ 'ዩ። መንፈስ ኣምላኽ ንሰባት ብዛዕባ ኽፉእ ስራሑ ከም ዘጉርሖም ስለ ዝፈልጥ ከምዚ ዓይነት ጉባኤታት ኣዕዚዙ እዩ ዝጸልእ። ስም ሰባት ክጽዋዕ ከሎ፥ ሕማም ክግለጽ ከሎ ሰይጣን ኣይፈቱን። እዚ ኹሉ እንታይ እዩ? ብቅዓት ምንባብ ኣእምሮ ሰብ ? ኣይኮነን። ርክብ ነፍሳዊ ምትእስሳር? ከምኡ ዉን ኣይኮነን። ጥንቆላ እዉን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እዩ ? እዚ ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምናልባት ስጋዉያን ብዙሕ ክብሉ ይኽእሉ እዮም ነገር ግን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንከይፍለጥ ሰይጣን ንምንታይ ከም ዝደሊ ካሊእ ምኽንያት ከርእየኩም፥ ሰይጣን፥ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ትማልን፣ ሎምን፣ ንዘለኣለምን፣ ህያው ከም ዝኾነን፤ ፈጺሙ ድማ ከምዘይለዋወጥን ልዕሊ 90 % ምሁራት ስነ መሎኮት ኢና ዝብሉ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ዉን ቤተ ክርስትያን ከምታ ብሓይሊ ኣምላኽ ኣብ በዓለ ሓምሳ ዝተጀመረት ቤት ኣምላኽ፤ ከምቲ ኣብ ማርቆስ 16 ክትኮኖ ዘለዋ ዝተገልጸት፤ ቤተይ ኢሉ ዝገለጻ ስለ ትመስል እዩ።

ኣስተውዕሉ ክርስቶስ ናብታ ሓቀኛ ቤት ተጋሂዱ ማለት፤ ትንሳኤ ናይታ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ዘላ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኸዉን ፍለጡ። ነገር ግን መንፈስ ጸረ ክርስቶስ ተቖሪጹ ናብ ባሕሪ ክሳብ ዝድርበይ፤ ንማሕበር ኣምላኽ ከርስሕን፥ ዝሕልትን ዋጋ ዘይብላ ንኽገብርን፤ ከመይ ኢሉ ናብ ማሕበር ኣምላኽ ከም ዝኣተወ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብግልጺ የረድእ። ስለዚ ሰይጣን ነዛ መጽሓፍ ሓቂ ክጻወራ ስለዘይከኣሎ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ከጣምም ይጽዕር። ህዝቢ ኣምላኽ እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ንምንታይ ከም ዝተተኸለትን ብኣኣ ዝግለጽ ዓብይ ሓይሊ ፈጣሪ ከም ዘሎ እንተተረዲኣን ስዉርቲ ሰራዊት ኰይና ዉግኣት ከም እትኾኖ ስለዝፈልጥ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ነዛ መጽሓፍ ከጣምም ላዕልን ታሕትን ይብል። ሰባት ብዛዕባ እቶም ኣብ ጽላል ቤተ ክርስትያን ዝንቀሳቐሱ ክልተ ዓይነት መንፈስ ፈልዮም ምልላይ እንተኽኢሎም፤ ብፍላይ ድማ ብረዲኤት መንፈስ ኣምላኽ ንመንፈስ ጸረ ክርስቶስ ከለልይዎን ክጋፈጥዎን እንተኽኢሎም፡ ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ምድረበዳ ተጋፊጡ ዝሰዓሮ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ድማ ኸምኡ ሓይሊ ኣይክህልዎን። እወ! ሰይጣን ምግላጽ ኣይፈቱን ። ንዓና ግና ብምግላጽ ቃል ደገታት ሲኦል ኣይሕይሉናን። ክንሕይሎም ድማ ኢና።

ኣብ መጀመርታ ትምህርትና ከም ዝገለጽኩዎ እዚ እንመሃሮ ዘለና መጽሃፍ ራእይ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ምግላጽ የሱስ (የሱስ መን ምዃኑ ) ምፍላጥን ኣብተን ሲዒበን ዝግለጻ ሾበዓተ ናይ ቤተ ክርስትያን ዘመናት ዝዓዮ ግብርታትን ድማ ምፍላጥ ኰይኑ፡ መንፈስ ኣምላኽ እንተዘይረዲእና ፈጺምና ክንርድኦ ከም ዘይንኽእል ነጊረኩም ኔረ። እዘን ክልተ ሓሳባተይ እንተተረዲኤናኹም መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ንምርዳእ ተራ ብዝኾነ ኣጸናንዓ ፈጺሙ ክርድኣኩም ኣይኸልን፡ ኣሰራርሓ መንፈስ ኣምላኽ ዝሓትት ከይዲ ኣለዎ። እዚ ማለት ብሓገዝ ትንቢታዊ ምግላጽ ንምሩጻት ሰባት ጥራሕ እምበር ንኹሉ ኣይግለጸሉን። ምናልባት ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ ብምዝማድ ንክትርድኦ ምጽዓር ሰናይ እኳ እንተኾነ ፟ ምስጢር ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ካብ መንፈሱ ብዝመጽእ ትምህርቲ ጥራሕ ኢና ክንርድኦ እንኽእል ስለዚ ድማ ካብ ኣምላኽ ናይ ምስማዕ መሎኮታዊ ዝኾነ ምርሒት ይሓትት፡ እንተዘይኰይኑ ግና ፈጺሙ ክበርሃልና ኣይኽእልን። ክንደየናይከ ካብ ኣምላኽ ምስማዕን ንመንፈስ ኣምላኽ ርእስና ምዉፋይን ዘየድልየና ?

ኣቀዲመ ከም ዝገለጽኩዎ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ከምቲ ኣብ ዉሽጡ ኣብ መወዳእታ እቲ መጽሓፍ ዝተጽሓፈ መፈጸምታ ኩሉ ሕግጋት ቃልን ምልኣት መጽሓፍ ቅዱስን እዩ። ኣብ ልዕሊ ዲያብሎስ እትሕይሉሉ ፍልጠት ኣምላኽ እትረኽቡሉ መጽሓፍ እዩ ። ስለዚ ኸኣ ንምንታይ ነዚ ቃል ትንቢት ዘንብብን እቶም ዝሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎዉን ዝሕልዉዎን ብጹኣን እዮም ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ስለምንታይከ ዝቕንስን ዝውስኽን ከም ዝርገም ክትርድኡ ትኽእሉ ኢኹም። መንከ ካብቲ ሓቀኛ ምግላጽ ቃላት ኣምላኽ ቀኒሱን ወሲኹን ኣብ ልእሊ ጸላኢ ክዕወት ይኽእል? ከም ምግላጽ ቃል ዝመስል ሓይሊ ዘለዎ ነገር የለን። ነቶም ነዚ መጽሓፍ እዚ ኣትኩሮት ዝገብሩሉ ብፍላይ ዝተኣወጀሎም በረኸት ከም ዘሎ ኣብ ፍቕዲ 3 ርኣዩ ። ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ስርዓት እዩ ዝመስለኒ ፣ እቲ ህዝቢ መብዛሕቲኡ ምንባብ ስለዘይኽእል ካህናት ንጉሆ ንጉሆ ነቲ ህዝቢ ቃል ኣምላኽ የንብብሉ ነበሩ። እቲ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ ጥራሕ ይኹን እምበር ነቲ ዘንብቦን ነቲ ዝሰምዖን በረኸት ኔርዎ።

እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ መጀመርታ እቲ ዘመን ቀረባ ኣይነበረን። እቲ ኣብ ኣምላኽ ጥራሕ ዝፍለጥ ዝነበረ ጥበብን ሃፍቲ ፍልጠት ሓያል ኣምላኽን ክሳብ እዚ ዘመን እዚ ኣይተገልጸን ነበረ። ኣምላኽ ኣብ ሓደ ዘመን ክገልጾ ዝምደቦ ምግላጽ ካብ ጊዜኡን ሰዓቱን ወጻኢ ፈጺሙ ኣይገልጾን። ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ ነቲ ዝመደቦ ትውልዲ ጥራሕ እዩ ዝገልጽ። ንኣብነት ንደቂ እስራኤል ንመልከት ኣውያቶም ኣብ ቅድሜኡ ምስ በጽሐ ምግላጽ ኣምላኽ ንሙሴ ተዉሃቦ። የሱስ ድማ እቲ ምዱብ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ምልኣት መለኰት (GODHEAD) ኰይኑ ተገልጸ። ኣብዚ ዘመን እዚ ማለት ኣብ ዘመን ቤተ ክርስትያን (ሎዶቅያ) ክግለጽ ዝግበኦ ፍልጠት ኣምላኽ ኣይድንጉይን ኣብ ዘይጊዜኡ እዉን ኣይመጽእን። ኣስተውዕሉ ዘለናዮ ዘመን ናይ ዘመናት መፈጸምታ እዩ።

Read the full account in...
ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ::


English Newsletter Site.

ራእይ ዮሐንስ::

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

  The Scripture Saith...

እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናብ ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረኽብ እያ።

እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ።

መልእኽቲ ናብ እብራውያን 6:7-8



ራእይ ዮሐንስ::
Continues on next page.
(ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።)



 

Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

Marriage and Divorce.

(PDF English)

William Branham
Life Story.

(PDF English)

How the Angel came
to me.

(PDF English)


Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham