ትምህርቲ ኒቆላውያን።


  ራእይ ዮሐንስ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተክርስትያን ጴርጋሞስ

ራእይ 2፡15
“ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንቲ ኣነ ዝጸልኦ ምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ።”

ትዝክሩ እንተኾ ይንኩም ኣብ ዘመነ ኤፌሶን ኒቆላውያን ዝብል ቃል ካብ ክልተ ናይ ግሪኽ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ኒቃዎ ማለት ምውራር፣ ላዎ ማለት ድማ ምእመናን ማለት እዩ። ስለዚ ኒቆላውያን ማለት ንኣመንቲ ምውራር ዝብልትርጉም ኣለዎ። እሞ ኸ ድኣ ስለምንታይ እዩ እዚ ከም ነውሪ ዝረኤ? እወ ኣምላኽ ንቤተክርስትያኑ ኣብ ትሕቲ ብሰብ ዝተሓረየ ብፖለቲካዊ ኣእምሮ ዝምራሕ ሰብ ኣሕሊፉ ሂቡዋ ስለዘይፈልጥ እዚ ነውሪ እዩ። ኣምላኽ ንቤተክርስትያኑ፡ ኣብ ትሕቲ ብኣምላኽ-ዝተሰየመ፣ ብመንፈስ-ዝተመልአ፣ ቃል-ዝተመልአ፣ ነቲ ህዝቢ ቃል ኣምላኽ እንዳመገበ ኣብ ትሕቲ ዝመርሕ እዩ ዘቀምጣ። ኣብዝሓ እቲ ህዝቢ ብቁዱሳት ኸሃናት ምእንቲ ኽመሓደርኢሉ ኣፈላላይ ናይሰባት ኣይገበረን። እቲ መሪሕነት ቅዱስ ክኸውን ግድን እዩ እንተኾነ ግና ጉባኤ ኹሉ ክኸውን ኣለዎ ። ብተወሳኺ ድማ ከሃናት ወይድማ ኣገልገልቲ ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘለዉ ሞንጎኛታት ምዃኖም ዝገልጽ ቃል የለን፤ ወይድማ ንጎ ይታ ኸምልኹ ዝተፈላለየ ኣመላልኻ የብሎምን። ጎይታ ኹልና ሓቢርና ኸነፍቅሮን ከነገልግሎን እዩ ዝደልየና። ኒቆላውያንነት ግና እዚ ሓሳብ እዚ ብምድምሳስ፡ ኣገልገልቲ ካብቲ ህዝቢ ብምፍላይ ኣብ ክንዲ ኣገልገልቲ ዝኾኑ ሓለፍቲን ጎይቶትን ገይሩ ይሾሞም። እዚ ነገር እዚ ኣብታ ናይ መጀመርታ ዘመን ግብሪ ኮ ይኑ እዩ ጀሚሩ። እቲ ጸገም ኣብ ክልተ ቃላት ዝዓረፈ ጸገም 'ዩ፡ “ሽማግለታት” (ከሃናት) ከምኡ ድማ “ተቆጻጸርቲ” (ኣቡናት)። ምንም እኳ ኣብ ነፍሲወከፍ ቤተክርስትያን ብዙሓት ሽማግለታት ከምዘለዉ ቃል ኣምላኽ ዘርእየና እንተኾነ፤ ሓደ ሓደ ሰባት (ከም ኤግናጢየስ ዝኣመሰሉ ) ሽማግለታት ዝመርሕ ዓብላሊ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ክህሉ ከም ዝግባእ ክምህሩ ጀመሩ። እምበኣር ቁም ነገር ናይቲ ሓቂ እዚ እዩ “ሽማግለ” ክበሃል ከሎ ስብእና ወይድማ ሰብ እዩ ዘረድእ “ኣቡን” ግና ስልጣን ናይ ስብእና ወይ ድማ ናይ ሰብ እዩ ። “ሽማግለ” ከምቲ ቀደሙ ኣብ ጎይታ ዘለና ስጋዊ ዕድመ እዩ ዘመላኽት። ስለዝተሰየመ ወይድማ ስለዝተሓርየ ዘይኮነስ ብዕድመ ጸገብ ስለዝኾነ ሽማግለ ይበሃል። ዕድመ ዘቁጸረ ለማድ እምበር ፍሉይ ስለዝኾነ ብልምምድ ክርስትናዊ ህይወቱን ኣገልግሎቱ ጠንካራን ስለዝኾነ ኣይኮነን። ኣቡናት ምስናይ መልእኽትታት ጳውሎስ ርክብ የብሎምን፡ ነገር ግን ኣብ ግብሪ ሓወርያት 20 ዘሎ ሓበሬታ ይወስዱ። ኣብ ፍቅዲ 17 ብዛዕባ “ሽማግለታት” ይሕብር ፍቅዲ 28 ድማ ጓሶት (ኤጲስቆጰሳት) ከምዝተብሃሉ የረድእ። እዞም ኣቡናት እዚኦም (ብዘይጥርጥር፡ ብፖለቲካዊ ኣእምሮን ጽምኣት ስልጣንን) ጳውሎስ ጓሶት ኣበሃህላኡ ኣብ ኣጥብያ ቤተክርስትያኑ ጥራሕ ንዘላ ሕብረት ዝመርሕ ሽማግለ ዘይኮነስ ኣብኩለን ዞባታት ንዝርከቡ መራሕቲ ብዓብላሊ ስልጣን ዘመሓድር እዩ ይብሉ። ምንም እኳ እቲ ብእምነቱ ዝፍለጥ ፖሊካርፕ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ትካላዊ ኣካይዳ ተደጊፉ እንተነበረ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ጭብጢ፤ ታሪኻውን መጽሓፍ ቁዱሳውን መሰረት የብሉን። እዚ ኣብታ ቀዳመይቲ ዘመን ከም ግብሪ ዝነበረ ብጋህዲ ምህሮ ብምዃን ሎሚውን ኣሎ። ኣቡናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስልጣን ኣለና ይብሉ ከምድልየቶም ገይሮም ድማ የካይድዎም፣ ኣብ ዝደለዩ ዎም ስፍራ ኣገልግሎት ድማ የቀምጥዎም። መንፈስ ቅዱስ፡ “በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም።” ዝብል ቃል ዝኽሕዱ። እዚ ጸረ ቃል 'ዩ፣ ጸረ ክርስቶስ 'ዩ። ማቴዎስ 20፡25-28 “የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምኻን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኹም ይኹን።” ማቴዎስ 23፡8-9 ድማ “ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ።”

ነገር ኒቆላውያንነት ኣጸቢቅና ምእንቲ ክንርድኦ በዚ ዝስዕብ መልክዑ ከብራህርሆ፤ ከም እትዝክርዎ ኣብ ራእይ ዮሃንስ 13፡3 “ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግኤ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት።” ይብል። ኩልና ከም እንፈልጦ እቲ ዝቆሰለ ርእሲ እቲ ብደረጃ ዓለም ሓያል ፖለቲካዊ ጽልዋ ዝነበሮ መንንግስቲ ሮማ እዩ። ኣስተውዒልኩም ተኸታተሉኒ፡ እቲ ርእሲ እንደገና ብመልክዕ “መንፈሳዊ መንግስቲ ካቶሊካዊት ሮማ” ብምዃን ተንስኤ። ኣስተውዕሉ፡ ዓወት ባዕዳዊ ጣኦታዊ ዝነበረ መንግስቲ ሮማ ካብምንታይ ዝተልዓለ እዩ ነይሩ? “ምክፍፋል ካልኣይ ድማ ምግዛእ።” - ኸፋፊልካ ምግዛእ ናይ መጀመርታ ዘርኢ ናይ ሮማ እያ። ሓጺን ስና ይቀድድን ይሕምሽሽን። ዝቀደደቶን ዝሓምሸሸቶን ዘበለ ከምዘይትንስእ ከምቲ ንካርቴጅ ሓምሺሻ ከም ጨው ዝበተነታ ትገብሮ። ሓሳዊት ቤተክርስትያን ኮይና ምስተልዓለት ድማ፤ እቲ ዘርኢ ሓጺና ከም ቀደሙ ምስኣ ጸንሔ፣ ኸፋፊልካ - ውረር ዝብል ፖሊቲካዊ ሜላታታ ድማ ከም ዝነበሮ ቀጸለ። እዚ'ዩ ኣምላኽ ዝጸልኦ ኒቆላዊነት።

ብመርትዖታት ታሪኽ ከም ዝተረጋገጸ ድማ ከምዚ ዓይነት ስሕተት ናብ ቤተክርስትያን ምስ ኣተወ፤ ሰባት መዓርግነት ካህን፡ ንዝተምሃረ፣ ምድራዊ ሃብቲ ንዘኻዕበተ፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ንዘለዎን ሰብ ከም ዝወሃብ ስለዝመስሎም ካህን ንምዃን ምትህልላኽ ጀመሩ። መሎኮታዊ ጥበባት ብፍልጠት ደቂሰብን መደባቶምን ስለዝተተክኤ መንፈስ ቅዱስ ከመሓድር ስፍራ ኣይነበሮን። ክሃናት ድማ እምበኣርከስ ቃል ኣምላኽን በዓላትን ክምህረናስ ሓለፋ ኽእለት ዘለዎ ክርስትያን ኣየድልየናን ብዋናነት እቶም ኣብ ቤተክርስትያን ዝጽንበሉ በዓላት እዮም ዘድልዩ ናብ ዝብል ኣዝዪ ዘጒሂ ኽፍኣት በጽሑ። እዚ ድማ ሰይጣናዊ ዝኾኑ (ኣስዳዕቲ) ሰባት ነቲ መጓሰ ክምንዝዑ መንገዲ ኸፈተ።

እቲ ብሰብ ዝተሰርሔ ኣብ ቅዱሳን ጽሑፋት ዘየለ ንኸሃናት ልዕል ልዕል ዘብል ሰረተ-እምነት (Doctrine) ምስ ሰረቱ፤ መስርዕ መዚ ብምሽልላም ሃይማኖታዊ ናይ ስልጣን መስርዕ ሃነጹ። ኣብ ልዕሊ ከሃናት፡ ኣቡናት፣ ኣብ ልዕሊ ኣቡናት ድማ ካርዲናላት ከምዚ እንዳበለ ድማ ኣብ ዘመን ቦኒፌስ ሳልሳዊ ኣብ ልዕሊኹሎም ዝገዝእ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳስ ተሾመ።

ውጽኢት ምትሕውዋስ ኒቆላውያንነት ከምኡ ድማ ጽምባረ ባቢሎና ምስ ክርስትና ሕዝቅኤል ኣብ ምዕራፍ 8፡10 ዝረኣዮ ይኸውን “ኣቶኹን ርኤኹን፣ እንሆ ኸኣ፣ ብዙሕ ምስሊ እቶም ዜጸይፉ ለመም ዚብሉን ርኹሳት እንስሳን ኵሎም ጣኦታት ቤት እስራኤልን ኣብ ወሰነወሰን እቲ መንደቕ ተስኢሉ ነበረ።” ራእይ 18፡2 ድማ “ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና። ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።”

ብዙሓት፡ ኣምላኻዊ ሰባት ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዝጸሓሓፍዎ ደብዳቤታትን ሃቀነታትን ኣንቢቦም ክርድኡ ዝኽእሉ ሰባት ስለዝነበሩ እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝሃነጽዎ ስርዓት ሰረተ-እምነት ኒቆላውያን ክንዲ ዝደለይዎ ከድምዕ ኣይተኽኣሎን። ስለዚ ድማ ቤተክርስትያን እንታይ ጌራ? ቅኑዓት መማህራን ብምውጋዝ ብዙሓት ጥቅልልብራናታት ኣቃጸለት። “ጴጥሮስ ብዛዕባ ደብዳቤታት ጳውሎስ ንምርዳኦም መጸገምቲ ኢሉ ከም ዝተዛረበ ነቲ ቃል ነኸተንብብዎን ንኽትርድእዎ ፍሉይ ስርዓተ ትምህርቲ ይሓትት 'ዩ።” ድማ በሉ። ነቲ ቃል ካብኢድ እቲ ህዝቢ ብምምንዛዕ ድማ እቶ ም ከሃናት ዝብልዎ ጥራይ ንኽሰምዑን ግበሩ ዝብሎም ንኽገብሩን ኾነ። ኣምላኽን ቅዱስቃሉን ብምባል ድማ ይጽውዕዎ። ኣእምሮን ህይወትን ብዙሓት ብምውሳድ ድማ ባራያ መላኺ ከሃናት ገበሩዎም።

እምበኣርከስ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ኣእምሮን ህይወትን ደቂ ሰባት ከምእትጠልብ ክትፈልጡ እንተድኣ ደሊኹም ኣዋጅ ቴዲዮሰስ ዓስራይ ኣድምጹ።ቀዳማይ ኣዋጅ ቴዲዮሰስ።

እዚ ኣዋጅ እዚ በታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ሮማ ድሕሪ ምጥማቁ ብኡብኡ ተውሃበ። “ ንሕና ሰለስቴና ነገስታት ኣብ ትሕቲ ሰለስቴና ዝግዝኡ ህዝብታት ኩሎም ነቲ ንሰብ ሮሜ ብቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሰብከ፣ ብባህሊ ድማ እሙን ኮይኑ ዝተዓቀበን፣ ብደማሱስ ሊቃነ ጳጳስ ሮማ፣ ብጴጥሮስ፣ ካህነ ኣለክሳንድርያ፣ብመሰረት ሃወርያዊት ትካልን ሰረተ-እምነት (Doctrine) ወንጌልን ድማ ሃወርያዊ ቅብኢ ዘለዎ ሰብ ዝውነን ሃይማኖት ብጽንዓት ክስዕቡ ንግበር። ኩላትና ቅድስተ ስላሴ ብሓደ ምልኪ ምልኣተ መለኮት ኣቦ፣ዉሉድ፣ መንፈስቅዱስን ንእመን። ሰዐብቲ ናይዚ እምነት እዚ ድማ ካቶሊኽ ክርስትያን ተባሂሎም ይጸውዑ። እቶም ተኸተልቲ ትርጉም ኣልባ ሃይማኖታትዝኾኑ ሰባት ድማ በቲ ውጉዝ ስም መናፍቅ ይሰመዩ፣ብስም ኣብያተ ክርስትያናት ዝእከብዎ ኣኼባታቶም ኩሉ ይወገዝ። ካብዚ መሎኮታዊ ፍትሒ እዚ ጎኒ ንጎኒ ድማ ስልጣንና ብሰማያዊ ምርሒት ጥበብ ዝህቦ ከቢድ መቅጻዕቲ ከም ከምዘውርድ ክሓስቡ ኣለዎም...።”

እዚ ንጉስ እዚ ዘ ውረዶ ም ዓሰርተ ሓሙሽተ መቅዕታዊ ሕግታት፡ ወንጌላውያን ካብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም ንሓዋሩ ክሕረሙ፣ ህዝባዊ መሰላቶም ክንፈጉ፣ ብመቅጻዕቲ፣ ውርሲ፣ ብንፍገት ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ድማ ብሞት ክእለዩ ይግባእ።

ሎሚውን ቀጥታ ናብ ከምኡ ዓይነት ነምርሕ ከምዘለና ትፈልጡ ዲኹም?

ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንገዛእ ርእሳ ከም ኣደ እያ እትቆጽራ። ናይ መጀመርታ ፈላሚት ቤተ ክርስትያን 'የ ድማ ትብል። ምሉእ ንምሉእ ትኽክል። ናይ መጀመርታ ቤተክርትያን ሮማ እያ ነይራ፤ ካብ እምነት ወዲቃ ድማ ናብ ሓጢኣት ከደት። ከም ትካል ዝተደራጀወት ናይመጀመርታ ንሳ እያ ። ኣብ ውሽጣ ድማ ግብሪ ጸኒሑ ድማ ምህሮ ኒቆላውያን ተረኽባ። ኣደ ምዃና ዝኽሕድ የለን። ኣደ እያ ደቃ ድማ ኣለዋኣ ። ጓል ካብኣዲኣ ትወጽእ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ኣብ ሾብዓተ ኲርባታት ሮማ ዝተቀመጠት። ኣመንዝራ እያ ደቃድማ ኣለዋኣ። ደቃ ድማ እተን ካብ ባዕላ ወጺኤን ተመሊሰን ናብ ትካላትን ኒቆላውያንነትን ዝኣተዋ ፕሮተስታንት ኣብያተ ክርስትያናት እየን። ኣደ እዘን ደቂ ድማ ዘማዊት (ጋለሞታ) ትበሃል፡ ንቃል መርዓኣ ዘይትኣምነት ሰበይቲ፣ ንጎይታ ተመርዒዋቶ ነይራ ካብኡ ከይዳ ግና ምስ ዲያ ብሎስ ኣመንዘረት። ብምንዝርናኣ ድማ ዝመስላኣ ኣዋልድ ወለደት። እዚ ናይ ኣደን ውልድቲን ሕብረት እዚ ድማ ጸረ-ቃል፣ ጸረ-መንፈስ፣ ብሰሪ'ዚ ድማ ጸረ-ክርስቶስ። ብልክዕ እወ፣ ጸረ-ክርስቶስ።

ናብ ካልእ ኣስፊሔ ቅድሚ ምኻደይ፤ እዞም ጥንታውያን ከሃናት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ካብ ቃል ኣምላኽ ንላዕሊ ዝኾኑ ይመስሎም ከምዝነበረ ክጠቅስ ይፈቱ። ነቲ ህዝቢ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ከም ዘሰርዩ ጌሮም ይምህርዎም ነበሩ፡ ሓጢኣተኛ መጺኡ ሓጢኣቱ እንተተናዘዘ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝህብዎም ይዛረቡ ነበሩ። ፈጺሙ ሓቂ ኣይኮነን። ኣብ ካልኣይ ክፍለዘመን ህጻናት ከጥምቁ ጀመሩ። ጥምቀት ዳግም ውልደት የካይዱ። ሎሚ ሰባት ሕውስውስ ዝበሉ ምዃኖም ኣየደንቅን። ቀደም ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ከምዚ ዓይነት ንጴንጤ ቆስጤ ዝመስል ምትሕውዋስ ካብ ነበረ፤ ካብ ሓቂ ን2000 ዓመታት ንዝረሓቁ ሰባት ግዳ ክንደየናይ።

ኦ! ቤተክርስትያን ኣምላኽ፣ ሓንቲ ተስፋ ጥራሕ ኣላትኪ፡ ናብ ቃል ተመለሲ እሞ ምስኡ ኹኒ።

Read the full account in... ዘመን ቤተክርስትያን ጴርጋሞስ


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Mountainside and rosebush
in snow, in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid
rock.

God has
many titles ...
but He has only
one human name
and that name
is Jesus.


  The Scripture Saith...

ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

መልእኽቲ ናብ እብራውያን 8:10


ራእይ ዮሐንስ።
Continues on next page.
(ምህሮ በልዓም፡፡)



Message Hub... Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham