ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።


  Seven Seals series.


William Branham.

Read the full account in...
ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ሕጂ ግና ናብ ብራኸ እቲሽንጥሮ ከይደ፡ ክንዲ ዝኸኣልኩዎ ኣዝየ ናብ ብራኸ ደየብኩ። እንታይ ክገብር ከም ዝግበኣኒ ብዘይምፍላጠይ ንእሽተይ ተረቢሸ ስለዝነበርኩ፡ እዚ ኹሉ እንታይ ማለት ምዃኑ ንጎይታ ሓተትኩዎ። እንዳጸለይኩ እንከለኹ ድማገለ ጋሻ ነገር ኮነ! ናይብሓቂ ክነግረኩም እ - እ - እየ ዝደልይ፡ ብድቃስ ክኸውን ይኽእል፣ ብብዕዛዘ ክኸውን ይኽእል፣ ወይድማ ራ - ራ - ራ ራእይውን ክኸውን ይኽእል። ብብዙሕ ይኹን ብሒደት ግና ራእይ ከም ዝነበረ እዩ ዝመስለኒ። ስለዚ ኣእዳወይ ኣልዒለ “ኦ! ጎይታ እዚ ፍንጀራ እዚስ እንታይማለት እዩ? ብተወሳኺ ድማ፡ ትርጉን እቶም ቅርጺ ፒራሚድ ሰሪሖም ካብ ምድሪ ዘልዓሉኒን ናብ ምብራቓዊ ኣንፈት ዘዞሩኒን ህብረ ሾብዓተኸዋኽብቲ እንታይ ማለት ' ዩ?” በልኩ።

ብጸሎት ተጊሀ እንከለኹ።እነሆ ገለነገር ኣብኢደይ ዱብ በለ። መንፈሳዊ ነገር ክትርድኡ እንተዘይክኢልኩም፡ገለ ዘሰንብድ ነገር ከምዝኾነ ይርድኣኒ እዩ። ይኹን እምበር ገለ ነገር ናብ ኢደይ ዓለበ። ቆላሕ ምስ በልኩ ድማ ኣብ ኢደይ ሰይፊረኣኹ። እጀታኡ ድማ ካብ ሉል ዝተሰርሐ መትሓዚ ነበሮ። ኣብ ህይወተይ ካብ ዝረኣኹዎም፡ እቲ ዝኸበረ ሉል። ዋ - ዋልታኡ ድማ ከምዝመስለኒ... ኢድ ንኸይቕርደድ ዝከላኸል መከላኸሊ... ክትፋለሙ እንከለኹም ማለት... ሰባት ክፋለሙ እንከለዉ ኢድንኸይቕርደድ ዝከላኸል ዋልታ ድማ ወርቃዊ ነበረ። እቲ ጉራዴ ነዊሕኣይነበረን ነገር ግን በሊሕ ከም መላጸ ኮይኑ ከም ዘብለጭጭ ብሩር ድማ የብርህ። ካብ ዝረኣኹዎም ነገራት እቲ ምልኩዕ ዝበለጸ ነበረ።ኣብ ኢደይ ሒዘ፡ ምስ መጠን ናይ ኢደይ ሓደ ነበረ። እንዳጠመትኩዎ “ኣታ ክንደይ ይጽብቕ!” ድማ በልኩ። “ነገር ግን ንኽትፈልጡሰይፊ ኩሉ ጊዜ እየ ዝፈርህ” ስለዚ ብውሕዱ! ሰይፊ ኣብ ጥቕሚ ኣብዘይውዕለሉ ዘመን ስለ ዘለኹ ባህ በለኒ፡ ምኽንያቱ፡ ካራ ብጣዕሚ ስለ ዝፈርህ። “እንታይ'ሞ ክጥቀመሉ እየ?” ኢለ ድማ ሓ - ሓሰብኩ። ገና ኣብ ኢደይ ሒዘዮ እንከለኹ፡ ካብ ገለ ስፍራ “እቲ ናይ ንጉስ ሰይፊ።” ዝብል ድምጺ መጸ። ካብኡ ድማ ካብ ኢደይ ተሰወረ።

-----
ስለዚ ብዛዕባ እዞም ነገራትእዚኣቶም ብድፍረት ካብ ልክዕ ንሓልፍ፡ ምኽንያቱ ፍልጠት ስለዘይብልና። ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ እቲ ኣብ ጽላሎት ወይ ድማ ምስሊሓዱሽ ኪዳን ዝኾነ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ነገራት እንታይ እንታይ ምዃኑ መርሚረ ነይረ። ካብኡ ንደሓር ሓዱሽ ኪዳን እንታይ ምዃኑ ዝተወሰነሓሳባት ረኸብኩ። ርኢኹም? ንኣብነት... ኖህ! ጥፍኣት ቅድሚ ምጅማሩ ናብ መርከብ ኣተወ፡ ነገር ግን ድማ ዋላ ሓንቲ ምልክትጥፍኣት ቅድሚ ምንባሩ፣ ኖህ ድማ ናብመርከብ ቅድሚ ምእታዉ፦ ሄኖክ ተወሰደ። ከምኡ ድማ ኣብ ሶዶም ንጣብ ጥፍኣት ቅድሚ ምጅማራሎጥ ተጸወዐ፣ ኣብርሃም ግና ብቐደሙ ካብኡ ዝረሓቐ ነበረ። ርኢኹም? ጽላሎት።

እምበኣርከስ ሕጂ ቀዳመይቲፍቕዲ ከነንብብ ኢና። እተን ክልተ ወይ ሰለስተ ቀዳሞት ፍቕድታትከንብብ እየ።

ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጽሒፉ፡ ብሾብዓተ ማሕተም እተሐትመ መጽሓፍ ርኤኹ።
ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኪግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን አሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርኤኽዎ።
ነቲ መጽሓፍ እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪርእዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን።
(ከመይ ዘደንቕ መጽሓፍ!)
ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኼኹ።
ሕጂ! እስኪ ብዛዕባ ብቕዓት ተዛረቡ? “ኣብ ኩሉ ስፍራ ነቲ ማሕተም ክኸፍት ጥራይዘይኮነ ንኽርእዮውን ብቑዕ ሰብ ኣይነበረን።”
ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎ፡ በለኒ።
ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሐሪዱኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን አለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።
ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ።

ካብ ምንባብ ምዕራፍ ሓሙሽተክሳብ እታ ዝወዳእናያ ፍቕዲ ሾብዓተ ንሒደት ካሊኢታት ደው ከነብል ኢና።

ማስታወሻ ትሕዙ እንተድኣሃሊኹም፡ እዚ መጽሓፍ ሾብዓተ - ማሕተም ኣብ ምዕራፍ 10 ሾብዓተ ኣብ ጊዜ ሾብዓተ ነጎድጓድ ተጋሂዱ እዩ።

-----
ሕጂ ርኣዩ፡ ሚስጢር ናይ መጽሓፍ ሾብዓተ - ማሕተም፡ መልእኽቲ ናይቲ መልኣኽ ሻብዓይቲቤተክርስትያን ክስማዕ ምስ ጀመረ ክገሃድ እዩ። ርኢኹም? “ድምጺ እቲ ሻብዓይ መልኣኽ ክስማዕ ምስ ጀመረ” ዝተጽሓፉ መልእኽትታትድማ ኣለዉና፡ ብመልክዕ ቴፕን መጻሕፍትን ሒዝና ኣለና። “መልእኽትታቱ ክስማዕ ኣብ ዝጅምረሉ መዓልታት ድማ ሚስጢር ኣምላኽ ክፍጸም እዩ።” እዚ ነስተውዕል፡ መልእኽቲ እቲ ሻብዓይ መልኣኽ ክሳብ ዘድህይ፡ ሚስጢር መጽሓፍ ኣምላኽ ኣይገሃድን (ኣይፍታሕን)። ኩሉ ነጥብታት ኣብ ሓደ ዝተኣሳሰር ስለ ዝኾነ፡ እዚ ነጥብታት እዚ ኣብቲ ማሕተም ኣገዳሲ ምዃኑ ርግጸኛ እየ። ኣብ ኩሉ ስፍራ፡ ዋላኳ ሓደ ሰብ ስለዘይፈልጦ ድማ ሚስጢራዊ ኮይኑ እዩ ተጻሒፉ።ብጀካ ኣምላኽ፣ እየሱስ ክርስቶስ። ርኢኹም! መጽሓፍ በይዛነት እዩ... ሚስጢራዊ መጽሓፍ 'ዩ።

ሕጂ ከም እንፈልጦ ድማ እዚናይ ቤዛነት መጽሓፍ ብቐሊሉ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ነገር ግን ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዘመናት ቤተክርስትያን እንዳተተናኸፈይመጽእ ነበረ። እቲ ሻብዓይ መልእኽተኛ ሚስጢራቱ ከድህይ ምስ ጀመረ ግና፡ ነቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰባት ዝተናኸፍዎ ሰንሰለታትከላግቦ እዩ። እቲ ሚስጢራት ድማ ከም ቃል ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ ዝወርድሚስጢር ኮይኑ፡ ብዛዕባ መለኮት ኣምላኽ (ሓደ ኣምላኽ) ሓዊሱ ሓፈሻዊ ዝኾነ ምግላጽ ኣምላኽ ይፈትሕ (ይገልጽ።) ሚስጢር ዘበለኹሉ! ዘርኢ ተመን፣ ካሊእ ዘሎ ኹሉ ክገሃድ እዩ።

-----
ኣብታ መጽሓፍ ዘለዉ ሾብዓተ ማሕተማት... እቲ መጽሓፍ ብሾብዓቲኦም ማሕተማትዝተዓሸገ (ዝተሓትመ) እዩ። እቲ መጽሓፍ ምሉእ ንምሉእ ሕቱም መጽሓፍ እዩ። ርኢኹምዶ? [ጉባኤ ኹሎም “ኣሜን” ኢሎም።] ሾብዓቲኦምማሕተማት ክሳብ ዝኽፈቱ፡ እቲ መጽሓፍ ምሉእ ንምሉእ ብማሕተም ዝተዓጽወ መጽሓፍ እዩ። ብሸውዓተ ማሕተም ዝተዓሸገ መጽሓፍ እዩ። እዚ ማለት ካብቶም ሾብዓተ ነጎድጓዳት ዝተፈለየ ምዃኑ ኣስተውዕሉ! እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ ሾብዓተ ማሕተም እዩ። መልእኽቲ እቲሻብዓይ መልኣኽ ክሳብ ዝእወጅ ድማ፡ እቲ ማሕተም ፈጺሙ፡ ኣይኽፈትን። ርኢኹም? ክሳብ - ክሳብ ሽዑ ግና እቲ ትኽክለኛ ምግላጽኣምላኽ ዘረድእ ዝተረጋገጸ ድምጺ ክሳብ ዝንፋሕ፡ ሓርፋፍ ግምት ሒዝና ጥራይ ኢና እንጸንሕ። እቲ ቃል ዝብሎ ድማ እዚ እዩ፡ “ሚስጢር ኣምላኽ ሻቡ ክፍጸም እዩ።” ካሊእ ድማ እዚ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተዓጽወ መጽሓፍ እዚ፡ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 5 ዕጽው መጽሓፍ ከም ዝነበረ ዘክሩ፡ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 10 ግና ተኸፍተ።

ሕጂ ድማ እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣከፋፍታኡ ዝዛረቦ እንታይ ምዃኑ ክንርእይ ኢና። እቲ ገንሸል ነቲ መጽሓፍ ወሲዱ፣ ነቲ ማሕተማትክሳብ ዝፈትሕ ከምኡ ድማ ነቲ መጽሓፍ ክሳብ ዝግንጽሎ፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ እንታይነት ዝፍለጥ ነገር ኣይነበረን። ርኢኹም? እቲገንሸል ነቲ መጽሓፍ ናይ ግድን ክወስድ ይግብኦ ነበረ። ሕቡእ እዩ ነይሩ። ሕጂ ዘክሩ “ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ” ጳጳስ ይኹን ቀሺ፣ካህን ይኹን መንግስታዊ ቀሺ፣ወይድማ ክንዲ ድላዩ ይኹን ሰብ “ብጀካ እቲ ገንሸል ነቶም ማሕተማት ክፈትሕን ነታ መጽሓፍ ድማ ዝግንጽልንሰብ የለን።” ከምኡ ድማ ንሕና ተመራሚርናን፣ ገሚትናን፣ ተዓንቂፍናን ተገሪምናን ኢና፡ኩላትና ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ዘይምርድዳእ ዝበጻሕናሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ። ነገር ግን ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ናይ መወዳእታ ዘመን፡ በቲ ዝተውሃበና መለኮታዊተስፋ ቃል፡ እዛ መጽሓፍ ቤዛነት እዚኣ ምሉእ ብምሉእ በቲ ገንሸል ክትግንጸል፣ ማሕተማት ኩሉ ድማ ክሰባበር እዩ። እዚ ኹሉ ድማእቲ ገንሸል ነቲ መጽሓፍ ወሲዱ ነቲ ማሕተማት ክሳብ ዝሰባብሮ፡ ዝፍለጥ ነገር የለን። ምኽንያቱ ድማ እቲ መጽሓፍ ኣብ ኢድ እቲኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ተታሒዙ ምንባሩ ዘክሩ።

“ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ።” ነቲ መጽሓፍ ወሲዱዎ! ኦ ዓሚቅ ነገር እዩ። እንተድኣ ኽኢልና ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ክንፈትሖ ክንፍትን ኢና። ሕጂ ድማ ኣብኡ ንውከል ኣለና።እዚ ኹሉ ኣብ መወዳእታ ዘመን ምዃኑ “ጊዜ ምስ ተጸንቀቐ” ምዃኑ ክንርእይ ኢና። ነቲ መጽሓፍ ንምትርጓም መሰል ዘለዎ ትካል ሃይማኖት ይኹን ሰብ የለን። እቲ ገንሸልጥራይ እዩ ክትርጉሞ ዝኽእል። ነቲ ቃል ብምርግጋጽን ናብ ህይወት ብምምጻእን፡ ነቲ ቃል ክፍለጥዝገብሮን ክዛረቦ ዝኽእልን እቲ ገንሸል ጥራይ እዩ። ርኢኹም? ብሓቂ!

-----
ሕጊ ኣምላኽ፥ በደል ዘይብሉ ንጹህ መተካእታ ይጠልብ ነበረ። ሕፍቲ ዘይብሉ (ሓጢኣት ዘይብሉኸ) መን እዩ? ሰብ ኩሉ ብጾታዊ ርክብ እዩ ተወሊዱ፥ ኩሉ ሰብ ብወሲብ እዩ ተወሊዱ። እቲ ብዘይጾታዊ ርክብ ዝተወልደበይኑ፥ ንሱ ጥራይ ኣብ ምድሪ ንኽነግስ መሰል ዘለኣለማዊ ህይወት ወረሰ። “ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኽንነግስ፥ ንኣምላኽና ንጉሳትን ከሃናትን ምእንቲ ኽንከውንዓዲግካና” ዝብል ቃል ክዝክር እንከለኹ! ኦ-ማይ! - እንታይ? እቲ ዋርሳ! ከመይ ዝበለ ታሪኽ ክህልወና እዩ ኣብዚ! ኣስተውዕሉ! ንዝጠፍአ ነገር ምእንቲ ክብጆ ሕጊ ዋርሳ ይጠልብ። ጸጋ ድማ ነቲ ጠለብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝበሀል ኣካልመልአ። ካብ ዘርኢ ደቂ ሰብ ዝተወልደ ዋርሳ።

ከምኡ ጉዳዩ ግብሪ ጾታዊ ርክብ ከም ዝነበረ ዘይተረድአ ሰብ፥ እሞኸ ንሕናስ ከመይ ይከኣለና...? ርኢኹም ኩሉ ሙሉእ ንሙሉእ ዕዉር እዩ 'ምኽንያቱ ዝተወልደ ኹሉ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ እዩ። ኣምላኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድማ ዝብጆ ዋርሳ፥ ናይ ግድን ድማ ሰብ ክኸውን ይግብኦ።ኦ! ማይ! እንታይ ኢኹም ትገብሩዎ? ሕጊ ኸዓ ዋርሳ በይዛ ይሓትት። መልኣኽ በጃ ኽገብር ኣይከኣሎን። ሰብ ክረክብ ይግብኦ። ምኽንያቱ ምስ መላእኽቲዝምድና ስለዘይብልና። ንነፍሲ ወከፍና ኣዝማድ ኢና። መልኣኽ ዝተፈለየ ፍጡር እዩ ኻሊእዝዓይነቱ ኣካል ኣለዎ ኣይሓጥእን። ሓጢኡኣይፈልጥን። ዝተፈልየ እዩ። ሕጉ ግን ዝብጆ ዋርሳ ይጠልብ ኮይኑ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ኩሉ ድማ ብጾታዊ ርክብ ዝተወልደ ኾነ። ካበይ ከምዝመጽአይራኣየኩምዶ ኣሎ ሕጂ? ሓጢያት ካብዚ እዩ ዝጀመረ። ኣበይ ከም ዘሎ ድማ ርኣዩዎ። ዘርኢኹም ናይቲ ተመን መጸ።

ዝብጆ ዋርሳ ከም ዘድልይ ኣስተውዕሉ፥ እቲ በይዛ ድማ ካብ ዘርኢ ደቂ ሰብክውለድ ኣለዎ። ኣብዚኣ ኣብ ምሕንካስ ገደፈና። ሎሚ ግን መለኸት ክነፍሓልኩም፥ ውልደት ናይታ ድንግል ነቲ ዘድልየና - ኣፍረየ።ኣሜን! ብድንግልና ዝተወልደ ዝብጆ ዋርሳ ፈረየ። እቲ ኹሉ ኸኣሊ ዝኾነ ኣምላኽ ባዕሉ፥ ኸማና ኾነ ኣማኑኤል ኮነ። ኣማኑኤል! እቲዝብጆ ዋርሳና ተረኽበ። ኣምላኽ ሓንቲ ነገር እንተጠሊቡ፥ ሓንቲ ነገር ክንገብር ከም ዘይከኣለና ርኢኹምዶ? ጸጋ ግን ሰጎመ፥ ነቲ ሕጊ ድማ ኣጽለለሉ፥ እቲ እንደልዮ ድማ ኣፍረየ። ኣሜን!

-----
ብዛዕባ እዚጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ መጽሐፈ ሩት ጽቡቅ ስእሊ ኣለዎ። ብዛዕባ ቦአዝ... ናኦሚ ከመይ ከም ዝኸሰረት፥ ብዛዕባ እዚ ክሰብኽሰሚዕኹምኒ ኢኹም፥ ኣይኮነን ድዩ? ክሰብኮ ዝሰማዕኹምኒ እስኪ ኣእዳውኩም ኣልዕሉ። ስለዚ ቦአዝ ዋርሳ (ቤዛ) ክኸውን ይግብኦ ከምዝነበረ ከምኡ ድማ ንኽብጆ ብቅዓት ዝነበሮ ንሱ ጥራይ ነበረ። ዋርሳክኸውን፥ ናይ ቀረባ ዋርሳ ክኸውን ይግብኦ ነበረ። በዚ ምኽንያት ማለት ንናኦሚ ዋርሳ ወይድማ ቤዛ ብምዃኑ ድማ ንሩት ረኸበ። እዚማለት ኢየሱስ እዩ፥ ማለት ቦአዝ ምሳሌ ወይ ድማ ጽላሎት ክርስቶስ እዩ ነይሩ። ንእስራኤል ብምብጃው፥ ካብ ኣሕዛብ መርዓት ረኸበ።ብጣዕሚ ዝገርም! ብቴፕ ተቀዲሑ ኣሎ፥ ክህልወኩም ኣለዎ።

-----
ስለዚ ድማጸጋ፥ እየሱስ ክርስቶስ ዝበሃል ሰብ ኣፍረየ። ስለዚ ድማ እዚ መጽሓፍ ተዘርጊሑ... ኣምላኽ ካብ ኣምላኽነቱ ወሪዱ ሰብ ምእንቲክኸውን ድንኳኑ ዘርጊሑ። ሰብ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ካብቲ ልዕልናኡ ሓያል ኣምላኽነቱ ወረደ፥ ምስሊ ሰብ ንኽወስድ፥ ብሞቱ ድማ ንወድሰብንኽብጆ። ኻሊእ “ብቁዕ” ከምዘየለ ኽሳብ እንርእይ ይጽበይ ኣሎ። ርኢኹም? ብጣዕሚ ጽቡቅ።

ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ መጽሐፈ ሩት ከተንብቡ እንከለኹም ጎል“goel” g-o-e-l ዝስየም ሰብ ትረኽቡ። ጎል ይበሃል ወይ ድማ እቲ ሕጊ ዝጠልቦ ከማልእ ዝኽእል ሰብ ማለት እዩ። ጎል ግድንክፍጽም ይግብኦ፣ ፈቃደኛ ንኽኸውን ግድን ኣለዎ፣ ዋርሳ ክኸውን ይግብኦ። ፈጣሪ፣ ኣምላኽ፥ መንፈስ፥ ሓጢኣትና ናብ ርእሱ ምእንቲ ኽገብር፣ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኽመልሰና ዋጋ ምእንቲ ኽኸፍል ሰብ ምስኮነ ዘመድ ኮይኑልና። እዚ እዩ እቲ በይዛ። ክርስቶስ ተበጂዩና እዩ። ንሕና ብጁዋት ኢና። ይኹን እምበር ክሳብሕጂ ርስቱ ኣይወሰደን። ምናልባት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምፍልላይ ይህልወኩም ይኸውን ግን ህድእ በሉ እሞ ርኣዩ። ጽቡቅ! ገና ርስቱ ከምዘይሓዘ ገና ክንርእዮ ኢና።

ርኢኹም? መጽሓፍቤዛነት ወሲዱዋ እንተኾይኑ፥ እቲ ናይ ኣዳም ዝነበረን ዘጥፈኦን ኩሉ ክርስቶስ መሊስዎ ማለት እዩ። ንኹልና ግና ተበጂውና ይኹንእምበር ርስቱ ኣይሓዘን ገና። ክሳብ እታ ምድብቲ ሰዓት እትበጽሕ ክወርስ ኣይኽእልን። ትንሳኤ ምስ ኮነ፥ምድሪ ድማ ዳግም ምስ ተሓደሰት፣ እቲ ክብጀወና እንከሎ ዝረኸቦርስቲ እታ ምድብቲ ሰዓት ምስ ኣኸለት ክወስድ እዩ። ኦ-ማይ! እዚ ነገራት እዚ ኣብቲ ሕጂ እንዛረበሉ ዘለና መጽሐፍ ሾብዓተማሕተም ይርከብ። ብጣዕሚ ጽቡቅ! መጽሐፍ በይዛነት፥ ኩሉ ኣብዚ ተጽሒፉ ኣሎ። ጎይታ እንተፈቂዱልና፥ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ፥ ኣብ ሸውዓቲኤንማሕተማት፥ እቲ ክርስቶስ ኣብ ዘመንፍጻሜ ዝገብሮ ነገር ኩሉ ክንርእይ ኢና። ብጣዕሚ ጽቡቅ! ክበርሃልና እዩ።...

Read the full account in...
ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

  The Scripture Saith...

ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና አሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን።

ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ አላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላ፡ ነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ።

ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ።

ራእይ ዮሐንስ 10:1-3


Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet

(PDF English)

Chapter 14
- Sabino Canyon

(PDF English)
Where sword appeared.

William Branham
Life Story.

(PDF English)

How the Angel came
to me.
(PDF English)

ማሕተም ኣብ
ምዕራፍ 10
ሾብዓተ ኣብ
ጊዜ ሾብዓተ
ነጎድጓድ
ተጋሂዱ እዩ።



Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham