ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።


  ራእይ ዮሐንስ።

ጴርጋሞስ፡ ዙፋን ሰይጣን፡ ሰፈር ሰይጣን።


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተክርስትያን ጴርጋሞስ።

ጴርጋሞስ፡ ዙፋን ሰይጣን፡ ሰፈር ሰይጣን። ንብዙሓት ሰባት እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ታሪኻዊ ሓቂ ስእላዊ ኮ ይኑዎም ጸኒሑ እዩ ። ታሪኽ ከም ዘረድኦ ግና ብትኽክል ሓቂ እዩ። ጴርጋሞስ ብትኽክል ሰፈርን ዙፋንን ሰይጣን ነበረት። ከምዚ 'ዩ ነይሩ፦ ጴርጋሞስ (ብመሰራት ሰባዊ ጉዳያት) ሰይጣን ዝሰፈረላ ናይ መጀመርታ ስፍራ ኣይነበረትን። ብቀሊሉን ብስእላዊ ኣተሓሳስባን ማእኸላዊት ስፍራ ሰይጣን ዝነበረት ቦታ ባቢሎን እያ ነይራ። ሰይጣናዊ ኣምልኾ ዝተጀመረሉ ቦታ ኣብ ናይ ባቢሎ ን ከተማ እዩ። ዘፍጥረት 10፡8-10 “ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለ። መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።” ዘፍጥረት 11፡1-9 “ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት። ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡ፡ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ። ንሓድሕዶም ድማ፤ ክላ ግዳ፡ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖ፡ ተባሃሀሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም። ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዚህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን። እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ። እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖም።“

ናይ ባቢሎን ናይ መጀመርያ ሽማ ባቤል ይበሃል ትርጉሙ ድማ ምርብባሽ ማለት 'ዩ። መስራቲኣ ድማ ኩሽ ወዲ ካም ኮይኑ ናብቲ ዝነበረቶ ሓይልን ዝናን ዝዓበየት ግና ኣብ ዘመን እቲ ሃዳናይ ዝነበረ ወዱ ኒምሮድ ነበረት። ፣ ብመሰረት ዘፍጥረት ዓሰርተ ሓደን ብመሰረት ዓለማዊ ታሪኽን ኒምሮድ ሰለስተ ነገራት ንኸሳኽዕ ነደፈ። ሓያልመንግስቲ ክምስርት ደለየ መስረተ፣ ናይገዛእ ርእሱ ሃይማኖትከስፋሕፍሕ ደለየ፡ ኣስፋሕፍሐ ድማ፣ ከምኡውን ሽሙ ከግንን ደለየ ንሱውን ገበሮ። ዓወታቱኹሎም ከም ቅርሲ ኾ ይኖ ም መንግስቱ ድማ ካብ ኩለን መንግስታት ምድሪ ከም መንግስተ ወርቂ እትምሰል ዝዓበየት መንግስቲ ነበረት። እቲ ካብ ሃይማኖቱ ዝረኸቦ ተፈላጥነት ድማ ሙሉእ ብምሉእ ሰይጣን ምንባሩ ኢሳያስምዕራፍ 14ን ራእይ ዮሃንስ 17ን 18ን የረድኡ። ብታሪኽ ከም እንርድኦ ድማ ዓለም ኩላ ወሪሩ ከም ዝሓዛን እቲ ሎሚ ዘሎ ጣኦታዊ ኣምልኾታትን ናይ ዝተፈላለዩ ኣማልኽቲ ጽውጽዋያዊ ፍረነገራትን መሰረቱ ንሱ ምዃኑ ንርዳእ።

ጴርጋሞስ ከመይ ኢላ ዙፋን ናይቲ ሰሰይጣናዊ ኣምልኾ ናይ ባቢሎን ከም ዝኾነት ንምፍላጥ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ታሪኽ ነፍሲወከፍ ሃገር ብዝርዝር ስለዘየቀምጥ፡ ጥንታውያን ዝኾኑ ዓለማዊ ታሪኻት ምፍታሽ ኣገዳሲ ይኸውን። ስለዚ ድማ ዝበዝሑ ምንጪ ሓበሬታታት ካብ ጽሑፋት ግብጽን ጽሑፋት ግሪኽን ንረኽቦም። ምኽንያት ናይዚ ድማ እቲ ግብጺ ዝረኸበቶ ሳይንስን ስነ-ቁጽርን ካብ ካልነ ኮይኑ ግሪኽ ድማ ካብ ግብጺ እያ ረኺባቶ። ስለዚ ድማ እቲ ሳይንስ ከም ኣካል እቲ ሃይማኖት ኮይኑ በቶም ከሃናት ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ካብ ምዃኑ ዝተለዓለ፡ ሃይማኖት ባቢሎን ከመይ ገይሩ ኣብዘን ክልተ ዓድታት ሓይሊ ከም ዝረኸበ ንርዳእ። ኩሉ ጊዜ ድማ ክልተ ዓድታት ተባኢሰን እታ ሓንቲ ክትስዕር ከላ፡ ድሕሪ ጊዜ ሃይማኖት እታ ሰዓሪት ኣብታ ዝተስዓረት ዓዲ ከም ዝሰፍሕ ግሁድ ሓቂ እዩ። ግሪካውያን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መቁጸሪ ከዋኽብቲ ምስቲ ባቢሎናውያን ዝጥቀምሉ ዝነበረ ተመሳሳሊ'ዩ፤ ብመሰረት መዛግብቲ ታሪኽ ግብጺ፣ ግብጻውያን እቲ ዝነበሮም ኣምልኾ ብዙሓት ኣማልኽቲ ንግሪኻውያን ከም ዝሃብዎም ድማ የረድእ። እዚ ተመሳሳሊ ዝኾነ ልምዲ ኣምልኾ ባቢሎናውያን ኣብ ሮም፣ ቻይና፣ ህንዲ፣ ከምኡውን ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ ክሳብ ዝበጽሕ እቲ ምስጢር ባቢሎናውያን ይሰፍሕ ነበረ።

ጥንታውያን ታሪኻት፡ ሃይማኖት ባቢሎን ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቀዳሞት ሰባት ሃይማኖት ከምዘይነበረ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማምዑ 'ዮም። ንሱ ድኣ ካብቲ ቀዳማይ እምነት ዓለወ እምበር ንሱስ ቀዳማይ ሃይማኖት ምድሪ ኣይነበረን። ከም ዊልኪንሰን ከም እኒ ማሌት ዝኣመሰሉ ምሁራት ታሪኽ፡ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ዝነበረሩ ቀዳሞት ሰባት ኩሎም፤ ካብ ምንም ናብ ህልውና ብቃሉ ዝፈጥር፣ ሕያዋይ፣ ጻዲቅ፣ ሉኣላዊ፣ ዘለኣለማዊ፣ ዘይርኤን ሰናይን ዝኾነ ሓደ ኣምላኽ ይኣምኑ ከምዝነበሩ፤ ምሉእ ንምሉእ ካብ ጥንታውያን ጽሑፋት ዝተረጋገጸ ምዃኑ ኣረጊጾም የቀምጡ። ነገር ግን ሰይጣን ከምቲ ኩሉ ጊዜ ክንዲ ዝኸኣሎ ደቂ ሰባት ሓቂ ንኸይቅበል ከጣምም ዝሰርሕ፤ ልብን ኣእምሮን ሰባት ክዘርግ ከሎ ንረኽቦ። ከምቲ ከም ፈጣሪ ኣምልኾ ክቅበል እምበር ከም ፍጡርን ኣገልጋልን ንኸይመስል ዝጸእር ዝነበረ፤ እቲ ንኣምላኽ ዝግባእ ኣምልኾ ብምጥማም ንገዛእ ርእሱ ልዕል ክብል እቲ ኣምልኾ ኣምላኽ ናብ ባዕሉ ኣዞሮ። እቲ ሃይማኖቱ ኣብ ኩላ ምድሪ ከስፍሕ ዝነበሮ ድሌት ድማ ኣሳኸዐ። ኣብ መጽሓፍ ሮሜ እውን እዚ ተጻሒፉ ኣሎ፦ “ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ፤ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ ፍጡር ዘምልኹሉ ሃይማኖት ተቀበሉ።” ሰይጣን (ወዲ ወጋሕታ) ዝበሃል ፍጡር ከምዝነበረ ዘክሩ። ኣብቲ እዋን ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ሰብ ኩሉ ተዘርጊሑ ነበረ፡ እቶ ም ዝተዳቀለ ኣምልኾ ናብ ዓለም ክዝርግሑ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቁ ጉጅለ ቅድሚ ምምጻኦም ድማ ኩሉ ሰብ ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ይግዛእ ነበረ።

ታሪኽ፤ ዘርኢ ሴም ነቶም ሓቂ ኣምላኽ ሓዲጎም ናብ ሓሶት ሰይጣን ዝኸዱ ዓሌት ዘርኢ ካም ክቃወሙ ጸኒዖም ደው ከም ዝበሉ ይነግረና። ክልተ ሃይማኖታት ምንባረን ንኸተስተውዕሉ ብዛዕባዐን ጊዜ ምጥፋእ ኣየድልይን ክልተ ጥራሕ ነበራ፤ እታ ሓንቲ ዓለም ለኻዊት ኮነት።

እምነት ሓደ ኣምላኽ ናብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝዞረሉ ቦታ ኣብ ባቢሎን 'ዩ። ኣብታ ኸተማ ሓሶትን ምስጢርን ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ሓቂን ምስጢርን ኣምላኽ ተለዓለ። ሰይጣን ጎ ይታምዃኑ ስለዘታለሎም ድማ ኣምልኾ ክህብዎ ብምግባር ኣምላኽ ዓለም ኮነ።

እቲ ሃይማኖት ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝምህር እምነት ጸላኢ ድማ ትምህርተ ስላሴ ብዝብል ኣስተምህሮ ጀመረ። ቀደም ነይሩ እቲ “ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ኣካላት” ዝብል ጥንታዊ መተዓሻሸዊ ናብ ህልውና ዝመጽአ። ምሁራት ዘመናዊ ስነ መለኮት ንምንታይ ኣብ ነጥቢ ከም ዘየእትውዎ እንድዒ፤ እንተኾነ ግና ከምቲ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ዘተዓሻሸዎም፡ ኣብ ምልኣተ-መለኮት፤ ሰለስተ ኣካላት ይኣምኑ ኣለዉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ እንተሃልይዎስ እስኪ እምበኣር ኣርእዩና። ዓሌት ካም ሰለስተ ኣማልኽቲ ዝብል ሓሰብ ናብ ዘለዎ ሰይጣናዊ ኣምልኾ ምኻዶም ኣይገርምን 'ዩ። ካብ ዓሌት ሴም ግና ናብ ከምዚ ዓይነት እምነት ይኹን ጽንብላዊ ኣምልኾ ዝኸደ ትውልዲ የለን።

ከምኡ ድማ ዕብራውያን “ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ጎይታ ኣምላኽና ሓደ ጎይታእዩ።” ዝብል ቃል ምእማኖም ዘገርም የብሉን። ኣብ ምልኣተ- መለኮት፤ ሰለስተ ኣካላት እንተዝህሉ ነይሩስ፤ እቲ ካብ ዓሌት ዘርኢ ሴም ዝነበረ ኣብርሃም፤ ኣብ ዘፍጥረት 18 ሓደ ኣምላኽ ምስ ክልተ መላእኽቲ ደኣ ረኣየ።

ስላሴ ከመይ ይገልጽዎ ነበሩ? ስላሴ ከምቲ ሎሚ ኣብ ሮማ ዝግለጸሉ ኣገላልጻ፤ ብኣገላልጻ ስሉስ ኩርናዕ እዩ ዝግለጽ ነይሩ። እቲ ዝገርም ድማ ዕብራውያ ን ከምዚ ዓይነት ሓሳብ የብሎምን። መን ድኣ'ዩ እሞ እቲ ትኽክለኛ? ዕብራውያን ዶ'እዮም ወይስ ባቢሎናውያን? ኣብ ኤስያ ሓሳብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ብመልክዕ ስእሊ ክገልጽዎ እንከለዉ፦ ሰለስተ ኣራእስ ኣብ ሓደ ኣካል ብምግባር ከም ሰለስተ ራእሲታት ይገልጽዎ።

ኣብ ህንዲ ብሰለስተ ዓይነት መልክዕ ኣብ ልቦም ዝተቀመጠ ኣምላኽ ይብልዎ። እዚ ዝበለጸ ዘመናዊ ስነመለኮት ምዃኑ እዩ። ኣብ ጃፓን ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ሰለስተ ርእሲ ዘለዎ ቡድሃ ንረክብ። እቲ ካብ ኩሎም ዝለዓለ ኣገላልጻ ትምህርተ ስላሴ ግና 1. እግዚኣብሄር ኣቦ ዝገልጽ ገጽ ሽማግለ ሰብኣይ 2. ንወዲ ዝገልጽ ክቢ “ዘርኢ” ዘመላኽት ክቢ ዝዓይነቱ ምስሊ 3. መንፈርን ጨራን “ርግቢት” ብምዝርዛር ንኣምላኽ ብስላሴኣዊ ኣገላልጻ ምግላጽ እዩ። ኣስተምህሮት ትምህርቲ ስላሴ፡ ኣቦ፣ ውሉድ፣ መንፈስቅዱስ ዝበሃሉ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ምልኣተ-መለኮት ከምዘለዉ ዝምህር ግሉጽ ሰለስተኣዊ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ሮም ዘሎ እውን ተመሳሳሊ እዚ እዩ። ክሓተኩም፡ ዲያብሎስን መምለኽቱን ካብ ኣብረሃም እቲ ኣቦ እምነትን ትውልዱን ብዝበለጸ ዝተገልጸ ሓቂ ምህላዎምስ ኣይገርመኩምንዶ? ብዛዕባ ኣምላኽስ ካብ ደቂ ኣምላኽ ንላዕሊ መምለኽቲ ሰይጣን ምፍላጦምስ ኣይድንጽውንዶ? እምበኣርከስ እቶም ዘመናውያን ምሁራት ስነመለኮት ብዛዕባ ስላሴ እንዳመሃሩ ኸለዉስ ንዓና ከምኡ እዮም ዝብሉና። በቃ ካብ ሕጂ ንደሓር እዚ ምስክር እዚ ርግጸኛ ዝኾነ ሓቂ እዚ ከይትርስዑ ዘክሩ - ሰይጣን ሓሳዊ፣ ኣቦ ናይ ሓሶት 'ዩ፡ ክንድድላዩ ብርሃን ሒዙ ዋላ ይምጻእ ሕጂ እውን ሓሶት 'ዩ። ንሱ ቀታሊነፍሲ እዩ ። ትምህርቱ፤ ትምህርቲ ስላሴ ድማ ብዙሓት ቀቲሉ ኣሎ፣ የሱስ ክሳብ ዝግለጽ ድማ ብዙሓት ከጥፍእ እዩ።

ብመሰረት መዝገብ ታሪኽ ትምህርቲ ኣቦ፣ወዲን መንፈስቅዱስን ምምሕያሻት ንኽግበረሉ ብዙሕ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ድሕሪ ጊዜ ሰይጣን ካብ ሓቂ ወሲኹ ኣርሓቆም። እቲ ተመሓይሹ ዝቀረበ ሓሳብ ኣምላኻዊነት 1. ዘለኣለማዊኣቦ 2. ናብ ኣደ፣ ናብ ጓል ሰብ ደጊሙ ዝተገሃደ (INCARNATE) መንፈስ ኣምላኽ። (ኣይድንጽወኩምን?) 3. መለኮታዊ ዉሉድ ፍረ ናይቲ ዳግም ግህደት (ዘርኢ'ታ ሰበይቲ)።

ዲያብሎስ ግና ሕጂ ውን ኣይተሓጎሰን። ብተዘዋዋሪ እንተዘይኮይኑ ቀጥተኛ ዝኾነ ኣምልኾ ንኽቅበል ገና ኣከኣለን ነበረ። ስለዚ ነቲ ህዝቢ ክንዲ ዝኽእሎ ካብ ሓቂ ኣርሒቁ ወሰዶ። በቲ ሚስጢራቱ፡ ከምቲ እቲ ዘይርአ ሓያል ኣቦ ኣብ ጉዳያት ደቂ ሰብ ርእሱ ከየንበረ ኣብ ጥቃኦም ህልውናኡ ብምግባር ብሕቡእ ከም ዝምለኽ ነቶም ሰባት ብምምሃር፣ ንሱ ድማ ኸምኡ ብሕቡእ ክምለኽ ገበረ። ብርግጽ እዚ ማለት ክንዲዝኸኣልዎ ፈጺሞም ንኽርስዕዎ እዩ። እዚ ኣስተምህሮ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ህንዲ ነቲ ሓያል ፈጣሪ፣ ሕቡእ ኣምላኽ ዝተሓንጹ ሒደት ህንጻታት ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ነቲ ፈጣሪ-ኣቦ ምምላኽ ኣገዳሲ ካብዘይኮነ፣ እቲ “ንኣደን ወዲን” ዝግበር ናይ ክብሪ ኣምልኾ ብምምላኽ ናብ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ኣምልኾ ጠሓሉ። ኣብ ግብጺ ኣይሲስ፣ ኦሳይረስ ንዝበሃሉ ኣደን ወዲን ከምዚ ዝዓይነቱ ተመሳሳሊ ናይ ኣደን ወዲን ኣምልኾ ኣቀዲሙ ነበረ።

ኣብ ህንዲ ኣይሲን ኢስዋራን ይበሃሉ። (ነቲ ምስስል ኣስማቶም ከይተረፈ ኣስተውዕልሉ)። ኣብ እስያ ሳይቤልን ድየስን። ኣብ ሮማን ግሪክን ተመሳሳሊ። ኣብ ቻይና፤ እቲ ዝገርም ናይ ሮማ ካቶሊክ ወንጌላውያን ናብ ቻይና ምስበጽሑ ምስሊ ናይ ማዶናን ካብ ርእሱ ጸሓይ ዘንጸባርቅ ወዳን ጸንሖም። ካብቲ ሒደት ኣፈላላይ ኣቀማምጣ ናይ ገጽ እቲ ምስሊ ምስቲ ናይ ቫቲካን ተመሳሳሊነት ኣለዎ። ስለዚ ነቲ ናይ መጀመርታ ኣደን ወድን ክንምርምር የገድደና። እታ ናይ መጀመርታ ናይ ባቢሎን ኣምላኽ-ኣደ ሰሚራሚስ እትበሃል ኮ ይና ኣብ ምብራቃውያን ዓድታት ድማ ሪያ ተባሂላ ትፍለጥ። ኣብ ክንዳ ወዳ ዝሓቆፈት፣ ምንምእኳ ህጻን ተባሂሉ ይጸዋዕ እምበር ብቁመቱ ነዊሕ፣ ጥንካራ፣ ምልኩዕ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዝማርኽ ከምዝነበረ ይግለጽ። ኣብ ሕዝቅኤል 8፡14 ተሙዝ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብጥንታውያን ጸሓፍቲ ቡካስ፣ ንባቢሎናውያን ድማ ኒነስ ይበሃል። እቲ ብሓያልነቱን ብዝናን እንዳተፈልጠ ከም ኣብ ኢድ ኣዴኡ ዝተሓቁፈ ህጻን ምምሳሉ ከም “ውሉዳን- ሰብኣያን” ንምግላጽ እዩ። ካብ መጸወዒ መዓርጋቱ ሓንቲ ድማ “ሰብኣይ እታ ኣደ”ዝብል መጸውዒ ድማ ኣለዎ። ኣብ ህንዲ ድማ ክልቲኦም ኢስዋራን ኣይሲን፡ ሰብኣያ ድማ ከም ኣብ ሕቁፊ ሰበይቱ ዘሎ ህጻን ይምሰል።

Read the full account in... ዘመን ቤተክርስትያን ጴርጋሞስ።


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Before...

After...

William Branham Life
Story.

(PDF English)

Pearry Green personal
testimony.

(PDF English)

  The Scripture Saith...

ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ።

ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለ።

መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።

ኦሪት ዘ ፍጥረት 10:8-10



Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham