ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።


  ራእይ ዮሐንስ።

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።


William Branham.

Read the full account in...
ዘመን ቤተክርስትያን ትያቲራ።

ራእይ 2፡20-23
“ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ። ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።”

ሃዋርያ ያዕቆብ ሓጢኣት ዝሓቶ ኣካይዳ ኣርእዩና ኣሎ። ያዕቆብ 1፡14-15 “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።” ኣብ ዘመን ኣብያተክርስትያናት ዝበጽሐ ስእሊውን እዚእዩ። ከምቲ ሓጢኣት ብዘይመስል ደቂቕ ስምዒት ዝጅምር፡ሞት ድማ ተራ ብዝመስል ግብሪ ኒቆላውያን ናብ ቤተክርስትያን ኣትዩ። ካብ ግብሪ ናብ ምህሮ፡ ካብ ምህሮ ድማ መንግስታዊ ቀልቢ ብምስሓብ፡ ናብ ባዕዳዊ ኣምልኾ በጽሐ። ኣብዛ ዘመን ናብታ ንብይቱ (መምህር)ኸይዱ፡ ንርእሱ ኣብ ቃላይ ሓዊ ክሳብዝረኽባ ድማ ይጎዓዝ። ብኻልኣይ ሞት ነገሩ ኹሉ ኣኸለ ዝበሃለሉ ስፍራኡ ንሱ ስለ ዝኾነ።

ብዛዕባ እዛ ራብዓይቲ ዘመን ዝምስክር ምሉእ ኣውያት ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ውግዘት ነብዪት ኤልዛቤል ይርከብ። ንምንታይ ከም ዘውገዛ ንኽንርዳእ ድማ፡ ብዛዕባኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ታሪኽ ክንምልከት ይግበኣና፡ ቀደም እንታይ ከም ዝገበረት እንተድኣ ተረዲእና ድማ ኣብዚ ዘመን እዚ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ክንፈልጥ ኢና።

እቲ ቀንዲን ቀዳማይን ነገር ብዛዕባ ኤልዛቤል ክንርድኦ ዝግባእ ጓል ኣብርሃም ዘይምዃና እዩ። ወይ'ውን ከምታ ሞኣባዊት ሩት መንፈሳዊ ቅበላ ዘለዎ ኣተሓውሳውን ኣይብላን። ፍጹም የብላን። እዛ ሰብ እዚኣ ጓል እቲ ንጉስ ሲዶናውያን ዝነበረ ኢትበኣል ዝተብሃለ ካህን ኣስታሮት ዝነበረ ንጉስ እያ። (1ይ ነገስት 16፡31)። ቅድሜኡ ዝነበሩ ነገስታትን ኣሕዋቱን ብምቅታል እዩ ንጉስ ዝኾነ። ስለዚ ብቀጥታ ከም እንርድኦ ጓል ቀታሊ ነፍሲ እያ (እዚ ብዛዕባ ቃየን ድማ የዘክረና።) ኤልዛቤል ናብ እስራኤል ዝተሃወሰትሉ መንገዲ በቲ ኣምላኽ ንኣህዛብ ዝመደቦ መንፈሳዊ ቅበላ ዘለዎ ኣሰራርሓ ዘይኮነስ፡ ምስ'ቲ ኣብ ዓሰርተ ነገዳት እስራኤል ንጉስ ኮይኑ ዝነበረ ኣኽዓብ ብመርዓ ብምትእስሳር እያ ዝተሓወሰት።

ከምቲ ዝረኣናዮ ድማ እዚ ሕብረት እዚ መንፈሳዊ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ሕብረት ነበረ። እዛ ናብ ዕምቆት ኣምልኾ ጣኦታት ዝጠሓለት ሰበይቲ ድማ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኸተምልኽ ንእሽተይ ድልየት እኳ ኣይነበራን፤ ነገር ግን ብኣንጻሩ ንደቂ እስራኤል ካብ ጎ ይታ ዘርሕቆም ነገራት ንኽትገብር መዲባ ዝመጸትሉ ሓሳብ ሒዛ እያ ኣትያ። እስራኤል (እቶም ዓሰርተ ነገዳት) ንኣምልኾ ጎይታ ኣፍልጦ ዝህቡሉ ሕጊ ሙሴ ይንበበሎም ስለዝነበሩ ከም ንኣምልኾ ጣኦታት ዘይተሸጡ፡ ምራኽ ወርቂ ከምልኹ ጀመሩ። ካብታ ኣኽዓብ ንኤልዛቤል ዝተመርዓወላ ጊዜ ጀሚሩ ኣምልኾ ጣኦታት ከም ፋሽን ክሰፍሕ ጀመረ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣብ ቤት መቅደስ ካህን ኮይና ምስ ኣተወት ንእስራኤል ናብ ናይ ህይወቶ ም ጥፍኣት ዘብጽሕ ጣኦት ኣስታሮትን (ቨኑስ) በዓልን (ኣምላኽ ጸሓይ) ደው ኣበለት።

እዚ ኣብ ኣእምሮና ኣቀሚጥና መንፈስ ኣምላኽ ንዘመን ታይቲራ ዝመደቦ እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ንጀምር። ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ኣኸዓብ መንግስቱ ንኸጠናኽርን ድሕንነት መንግስቱ ንኸጽንዕን ብምድላዩ ፖለቲካዊ ፋይዳ ብዘለዎ መውስቦ ንኤልዛቤል ተመርዓዋ።

ቤተክርስትያን ድማ ኣብ ትጥቲ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ዝተመርዓወትሉ እዋን ልክዕ እዚ እያ ዝገበረት። ዋላ'ኳ መንፈሳዊ ንፋስዝመስል የንፍስሉ እምበር፡ ክልቴኦም ዝገበርዎ ኣካይዳ ፖለቲካዊ ምኽንያት ዝተመልኤ ዝምድና እዩ ነይሩ። ቆስጠንጢኖስ ክርስትያን እዩ ነይሩ ኢሉ ሓደ እኳ ከ ምነኒ ዝኽእል ሰብ የለን። ክርስትናዊ ዝመስል መፈንጥራ ዝሓዘ ባዕዳዊ እዩ ዝነበረ። መስራቲ ሰራዊት ኮሉምበስ ነበረ ኣብ ግንባር ዋልታ ሰራዊቱ ድማ ጻዕዳ መስቀል ገበረ፣ ኣብ ርሻን ቅድስተ ሶፍያ ድማ እቲ ኣብኣ ዝተጀመረ ባህሊ መስቀል ሰቐለ።

ኩሎም መምለኽቲ ጣኦታትን፣ ንማለቱ ክርስትያናትን፣ ሓቀኛታት ክርስትያናትን ናብ ሓደ ሕብረት ክእከቡ ዝገበረ እውን ቆንስጠንጢኖስ 'ዩ። ንዝተወሰነ ጊዜ ምናልባት እቶ ም ሓቀኛ ኣመንቲ ነቶም ካብ እምነት ቃል ዝሰሓቱ ዶ'ኾን ይመልሱዎም ብዝብል ይመስል። ናብ ሓቂ ክመልሱዎም ከም ዘይከኣሉ ምስ ኣስተውዓሉ ግና ብፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ካብቲ ኣካል ክንጸሉ ኣገደዱዎም። ብድሕሪኡ ድማ መናፍቓን እንዳበሉ ከሳድድዎ ም ጀመሩ።

ኣብዚ ኽብሎ ዝደልዮ፦ ኣብ ዘመንና እንርእዮ ዘለና ኣካይዳ ድማ ተመሳሳሊ ኣካይዳ እዩ። ህዝቢ ኹሉ ናብ ሕብረት ይመጽእ ኣሎ፡ ንኣይሁዳዊ ይኹን፣ ንኻቶሊክ ይኹን፣ ንፕሮቴስታትን ኹሎም ዝሰማማዕ መጽሓፍ ቅዱስ ይጽሕፉ ኣለዉ። ናይ ገዛእ ርእሶም ጉባኤ ኒቅያ ኣለዎ ም ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ድማ ይብልዎ። ኩሎም ድርጅታት ተኣኪቦም ንመን ከም ዝወግኡ ትፈልጡ ዲኹም? ነቶም ትኽክለኛ ኣመንቲ ጴንጤ ቆስጤ እዮም ዝዋግኡዎም። ብዛዕባ እቶም ጴንጤ ቆስጤ ተባሂሎም ዝጽውዑ ድርጅታት ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ኣነ ጴንጤ ቆስጤ ዝብሎም ነቶም ብመንፈስቅዱስ ዝተመልኡ ኣብ ድማ ውህበትን ምልክታትን ዝገሃድ፣ ብሓቂድማ ዝጓዓዙ እየ ዝብል ዘለኹ።

ኣኽዓብ ንኤልዛቤል ክምርዓዋ እንከሎ ብኹርናኡ ሸጠ፡ ሓወይናተይ ትቀበሎ ኣይትቀበሎ፡ እታ ነፍስኻ ምስ ድርጅታዊ ሃይማኖት ዝተኣሳሰርካላ መዓልቲ ብኹርናኻ ኢኻ እትሸይጥ። ነፍሲ ወከፍ ዘምለጠ ፕሮ ተስታንት፡ ናብቲዝነበሮ ዝተመለሰ ኹሉ ቡኽርናኡ ዝሸጠ እዩ።

ብኹርናኡ ዝሸጠ ድማ ከም ኤሳው ይኸውን - ክንዲ ዝደለኻዮ ክትበክይን ክትንሳሕን ትኽእል፡ ገለ'ኳ ኣይጠቅመካን። ክትገብራ እትከኣለካ ሓንቲ ነገርጥራሕ እያ “ህዝበይ ካብ ማእኸላ ውጽኡ፡ ሓጢኣታ ኣይትካፈሉዋ።!” ምናልባት ትኽክል ኮ ይነ እንተዘይተሰሚዐኩም ነዚ ሕቶ እዚ መልሱለይ፦ ኣየነይቲቤተክርስትያን ወይ ድማ ትካል ሃይማኖት እያ ካብቲ ካብ ኣምላኽ ዝጠዓመቶ ረቫይቫል ወጺኣ ሃይማኖታዊ ትካል ኮ ይናስ ዝተመልሰት? ታሪኽ ኣንብቡ፡ ሓንቲ እኳ ኣይትረኽቡን - ዋላ ሓንቲየላን።

እስራኤል መንፈሳዊነታ ገዲፋ ፖለቲካዊ ዓለም ሰዓበት ጸልመታ። ቤተክርስትያን ድማ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ተመሳሳሊ ነገር ምስፈጸመት ጸልመታ። ኣብያተ ክርስትያናት ኩለን ናብ ጥርናፈ ምምጽኤን ድማ ሕጂ ጸልማት እዩ።

ኣኽዓብ ንኤልዛቤል ምስተመርዓዋ ብዘሎ ገንዘብ መንግስቲ ንኽትወስድ ብምፍቃድ፡ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ኣምልኾ ናይ ኣስታሮትን በዓልን ክትሃንጽ ፈቐደላ። እቲ ንበዓል ዝተሃነጸ ህንጻ እስራኤል ኩሉ ተኣኪቡ ከምልኸሉ ዝኽእል ሰፊሕ ነበረ። ብተመሳሳሊ ቆስጠንጢኖስን ቤተክርስትያንን ብመርዓ ምስተኣሳሰሩ ነታ ቤተክርስትያን ዝኸውን ዓበይቲ ህንጻታት፣ መሰዊኢታትን ካልኦት ዝተቀረጹ ምስልታትን ብምሃብ እቲ እንዳተጠናኸረ ዝጸንሐ ኣሰራርዓ ስልጣናት ኣጠናኸረላ።

ኤልዛበል ሓይሊ መንግስቲ ብድሕሪታ ከም ዝድግፋ ምስተረደኤት፡ እቲ ህዝቢ ሃይማኖታ ንኽቅበል ከተገድድጀመረት፡ ክሃናትን ነብያትን ኣምላኽ ድማ ምቅታል ጀመረት። ነብዩ ኤልያስ፡ ልኡኽ ናይታ ዘመን፡ በይኑ ንሱ ከም ዝተረፈ ክሳብ ዝመስሎ ኾነ። ንጎይታ ግና ኣብራኾም ንበዓል ዘየንበርከኹን ዘይሰገዱን 7000 ህዝቢ ነበርዎ። ሎሚውን ካብ ሞንጎ'ዘን መጥምቃውያን፣ መተዲስት፣ ፕረስቢተርያንን ካልኦት ትካላት ሃይማኖትን ወጺኦም ናብ ጎይታ ዝምለሱ ኣለዉዎ። ክትፈልጡዎ ዝደልየኩምነገር ኣለኒ - ኣንጻር እቲ ህዝቢ ተቃዊመ ኣይፈልጥን ድሕሪ ደጊም እውን ኣይገብሮን። ኣነ ዝጸልኦን ዝቃወሞን፡ ነቲ ትካላት ሃይማኖት - ነቲ ትካላዊ ሲስተም (ሜላ)፡ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ስለዝኾነ ኣነ ውን ንሱ ይጸልእ።

ሕራይ፡ እስኪ ሕጂ ንዝተወሰነ ደቂቃ ኣብዚደውነብል እሞ፡ እቲ ኣብ ታይቲራ ዝረኣናዮ ኣምልኾ እስኪ ንኸልሶ። ኣፖሎ ንዝበሃል (ኣምላኽ ጸሓይ) ምስቲ ንጉስ የምልኹ ከም ዝነበሩ ተዛሪበ ነይረ። ብዛዕባ ኣፖሎ “መርሓቂ ኽፉእ” ነይሩ ኢልና ኣለና። ካብቲ ህዝቢ ኽፉእ ዘበለ ዘወግድ ማለትዩ። ዝባርኾም ኣምላኾም ድማ ነበረ። ብዛዕባ ኣምልኾ፣ ስርዓት መቅደስ፣ ኣገልግሎት ኣማልኽትን ስርዓት ኣቀራርባ መስዋእትን ብዛዕባ ሞት፣ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ኩሉ ይገልጸሎም። እቲ ነቲ ህዝቢዝገልጸሉ መንገዲ ድማ በታ ኣብ ሰለስተ ዝእግሩ ወንበር ትቅመጥዝነበረት ነብዪት ነበረ። ማ...ይ! ርእይኹም'ዶ? እነሀትልኩም እታ ነቲ ህዝቢ እትምህር ነብዪት ኤልዛቤል። ምህሮታታ ድማ ባሮት ኣምላኽ ንኽዝምዉ ዝገብር ምህሮ እዩ ። ዝሙት ማለት ብመንፈሳዊ ትርጉሙ “ኣምልኾ ታትጣኦት” 'ዩ ዝውክል። ስለዚ ሕብረቶም ዘይሕጋዊ ሕብረት ነበረ። ሕብረት ኣኽዓብን ይኹን ሕብረት ቆስጠንጢኖስ ኽልቲኡ ዘይ ሕጋዊ ሕብረት ነበረ። ኽልቴኦም መንፈሳዊ ዝሙት ዘመዉ። ዘማዊ ዘበለ ኹሉ ድማ ኸምቲ ጎ ይታ ዝበሎ መወዳእትኡ ኣብ ቃላይ ሓዊ ይጥቅለል።

Read the full account in... ዘመን ቤተክርስትያን ትያቲራ።

Download (English)... Jezebel Religion.


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

  The Scripture Saith...

ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ።

ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።

ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ።

ራእይ 2:26-28


ራእይ ዮሐንስ።
Continues on next page.
(መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።)


Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet.

(PDF English)

The Two Babylons

by Rev Alexander Hislop.
(PDF English)

Mountainside and
rosebush in snow,
in China.

Lillies of Fire.

Pillar of Fire
- Houston 1950.

Light on pyramid
rock.

In this Thyatirean
Church age she
is a DOMINATING
FEMALE.
She is
Mystery Babylon.



Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham