ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።


  Living Word series.

ንምንታይዝበቅዕ?


William Branham.

Read the full account in...
ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ፡

ራእይ ዮሐንስ 5:2-4,
2 ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኪግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን አሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርኤኽዎ።
3 ነቲ መጽሓፍ እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪርእዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን።
4 ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኼኹ።

ፍቅዲ 2 ድማ - ሓደብርቱዕ መልኣኽ ድማ... ብርቱዕ መልኣኽ... ብብርቱዕ ድምጺ ዚበቅዕ መን አሎ (ንምንታይዝበቅዕ?) ነታ መጽሓፍ ክፈትሕ ዝበቅዕ መን ኣሎ... እታ መጽሓፍ ኣበይ እያ ዘላ ሕጂ? ኣብ ኢድ እቲ ቀዳማይ ዋናኣ። ምኽንያቱ በቲ ውሉድ ጠፊኣ፥ በቲ ካብ ማእኸል ደቂ ሰባት ናይ መጀመርታ ውላድ ስለዝጠፍአት። ድምጺ ሰይጣን ንኸዳምጽመሰሉ ንኸጥፍእ ፥ ተስፋ ምስ ቆረጸ... እንታይ ገይሩ? ድምጺኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝቅበል ጥበብ ሰይጣን ተቀበለ።

-----
ጻውዒት ናይቲ መልኣኽ፥ ዋርሳ ክኸውን ዝኽእልብቁዕ ንኽግለጽ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ በለ፦ “ሕጊ ኣለኒ፥በይዛ ወይድማ ዋርሳ ጥራይ ክትክኦ ዝከኣሎ። ኣበይ ኣሎ እዚዋርሳ? መን እዩ ንኽወስዳ ዝበቅዕ?” ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ታሕቲ ክሳብ ሃወርያት ነብያት ከምኡ ድማ ክሳብ ኩሎምወሪዱ፥ ሓደ እኳ ኣይተረኽበን። ሕራይ! እዚኸ እሞ እንታይይበሃል? “ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነብር ህያው ዘበለ ኹሉ” ኤልያስኮ ኣብኡ ደው ኢሉ ነይሩ እዩ። ሙሴ ድማ ኣብኡደው ኢሉ ነይሩ እዩ። ኩሎም እቶም ዝሞቱ ዘበሉ ሃወርያት፣ ቅዱሳን ሰባት፣ ፈላጣት ኩሎም ኣብኣ ነይሮም እዮም። ኩሎም ኣብኣደው ኢሎም ነይሮም ይኹን እምበር ኣሽንኳንዶ ክወስዱዋን ማሕተማታ ክፈትሑንሲ፥ ንኽርእይዋ እኳ ብቁዓት ኣትነበሩን። ሕራይ! እሞኸ እቲ ጳጳስ ዝበሃል ኣበይ ኣሎ? ቢሾፕኩም ኣበይ ኣሎ?ብቅዓትና ኣበይ ኣትዩ? ንሕና ምንም ኢና። ብሓቂ ተራ ኢና።

-----
ክነግረኩም፥ ዮሃንስ “ዝበኸየ” ዝበኸየሉ ምኽንያት ኢለ ዝሓስቦ እዚ ዝስዕብእዩ። ነዛ መጽሓፍ በይዛነት ክኸፍት ዝከኣሎ ሰብ እንተ ዘይተረኺቡ፥ ፍጥረት ኩሉ ስለዝጠፍእ እዩ በኽዩ። እዚኣ እያ እታ መጽሓፍ፥ እነሀት እታ ጽሕፈት ርስቲ፥ ነቲ ሕጊ ዝጠልቦ ዘማልእዋርሳ እያ እትወሃቦ። ናይ ኣምላኽ ናይ ባዕሉ ሕጊ እያ፥ ኣምላኽ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ኣየናኣእስን - ማለተይኣይጥሕስን። ኣምላኽ ብቅዓት ዘለዎ ዋርሳ ደለየ፥ ክዋጽኦ ክእለት ዘለዎ፥ ክፍጽመሉ ዝኽእለሉ ጭብጢ ዝሓዘ ዋርሳ ደለየ። ስለዚ ድማ እቲ መልኣኽ “እስኪ እቲ ዋርሳ ይቅረብ” በለ። ዮሃንስ ድማ ረኣየ። ኣብ መላእ ምድሪ ረኣየ። ሓደ እኳ ኣይነበረን። ፍጥረትንኻሊእ ኹሉ ነገርን ጠፊኡ ረኣየ። ብርግጽ ዮሃንስ ዝበኸየ፥ ፍጥረት ኩሉ ጠፊኡ ስለ ዝረኣየ እዩ። ብኽያት ዮሃንስ ግን ንልዕሊ ሓደ ደቂቃ እውን ኣይጸንሐን። ካብ ሽማግሌታት ሓደግን ተንሲኡ “ዮሃንስ ኣይትብከ” ኦ- ማይ! ብኽያቱ ግን ልዕሊ ሓንቲ ደቂቃ እኳስ ኣይጸንሐን። ዮሃንስ “ኣበይ ኣሎ እቲ ሰብ?” እንዳበለ ይሓስብ ነበረ። ከማይ ነብዪ ኮይኖም ዝተፈጥሩ እኮ ኣብኡ ደው ዝበሉ ነይሮም እዮም። ብዙሓትፈላጣት ነይሮም... ኣንቱም ሰብዶ የለን?

-----
እዚ ሱር ዳዊት ዝኾነ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ድማ ስዒሩ እዩ። ንሱ ድማ በለ“ኣይትንባዕ ዮሃንስ። እቲ ሱር ዳዊት ዝኾነ ናይ ይሁዳ ኣንበሳስዒሩ እዩ። ተዓዊቱ እዩ፥ ሰሪሑ ወዲኡ እዩ ዮሃንስ!” ነቲ ብሓጢኣቱ ኣእዳዉ ዘርስሐ ኣእዳው ወዲ ሰብ ሓጢያት ዘንጽህ ብሊችለኣኸ። እወ።

ዮሃንስ ንኽርእይ ኢሉ ምስ ዘወረ ግና ገንሸል ረኣየ። ምስ ኣንበሳ ዘለዎ ኣፈላላይ ዓብዪ! ድማ በለ። “እቲ ኣንበሳ ስዒሩ” ርኢኹም፥ ኣምላኽገዛእ ርእሱ ብትሕትና ይስውር ንዝብል ክጥቀመላ ይኽእል እየ። ንሱ ዝበለ “እነሆ ኣንበሳ።” ኣንበሳ ድማ ናይ እንስሳታት ኩሉንጉስ እዩ። “እቲ ኣንበሳ ስዒሩ እዩ።” ካብ ኩሎም ብሓይሊዝጸንዐ ኣንበሳ እዩ። ኣብ ጣሻታት ኣፍሪካ ደቂሰ፥ ዘራፍ ክትንቊ - ሓያላት ሓራምዝ ኣፍንጫኦም ናብኣየር እንዳሰቀሉ “ዊሂሂ፣ ዊሂሂ፣ ዊሂሂ።” ነበርቲ ናይቲ ዱር ዘበሉ እንስሳታት ኩሎም እቲ ደመኛ ዝኾነ መፈራርሒ ድምጾምከድህዩ እንከለዉ . . . ኣነን ቢሊ ፖልን ኣብ እቲ ዱር ኣብዘላ ንእሽተይ ብስቲከር ዝተለጣጠፈት ገዛ ደቂስና እንዳሰማዕናዮም እንከለና፥ እነሆ ካብ ርሑቅ ዝጓዝም ድምጺ ኣንበሳ ተሰምዐ፥ እነሆ መላእ በረኻ ኹሉ ድምጺኹሉ ጸጥ በለ። ንጉስ ስለዝተዛረበ ኦ! ኦ፣ ኦ፣ ኦ-ማይ! ዝሕንበብ ጢንዚዛ ኹሉ ጸጥ ረጭ በለ። ብሓቂ እየ ዝብለኩም፥ ትካላት ሃይማኖትን ምጥርጣርን ናብ ምድሪ ዝወድቁ ሻቡእዮም። ንጉስ ክዛረብ እንከሎ ኩሉ ነገር ጸጥ ይብል።እነሆ ንጉስ፥ ቃሉ ድማ እዚ እዩ። ኦ!

-----
ሕጂ ድማ “ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ” ይብል ኣሎ። ካብ ይሁዳ ንምንታይ ኣድለየ? “ኦ ይሁዳ፥ ሴሎ ክሳብ ዝመጽእ፥ እቲ መርቀቂ ሕጊኣይኸይድን። ይኹን እምበር ብይሁዳ ክመጽእ እዩ።” “እምበኣርከስ እቲ ኣርማ ናይ ነገደ ይሁዳ ዝኾነ ኣንበሳ ስዒሩ፣ ተኣዊቱ እዩ።” ነቲ ኣንበሳ ንኽርእይ ምስ ዞረ ድማ ፥ ገንሸል ረኣየ። እንታይ ይበሃል? ኣንበሳንኽትርእይ ኬድካስ ገንሸል! እቲ ሽማግለ ኣንበሳ ኢሉ ጸዊዕዎ፥ዮሃንስ ክርእዮ እንከሎ ግና በጊዕ እዩ ዝረኣየ። “ቅድሚምምስራት ዓለም ዝተሓርደ ገንሸል” ዝተሓርደ ገንሸል! እንታይእዩ እዚ ገንሸል እዚ? ብደም ዝተዓለሰን ዝቆሰለን ገንሸል እዩ።“ተሓሪዱ ዝነበረ ነገር ግን ዳግም ህያው ዝኾነ ገንሸል።” ከምኡ ድማ ብደም ዝተዓልሰ ነበረ፥ ኦ-ማይ! ኣቱም መጓሰ ነዚ ርኢኻዶ ሓጢኣተኛ ኮይንካ ይትረፍ እዩ?

እቲ ገንሸል መጸ። እቲ ሽማግለ “ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ ስዒሩ ኣሎ” ኢሉ። ዮሃንስ እኮ ኣንበሳ ንኽርእይ እዩ ዝጠመተ፥ ነገር ግን እነሆ ደም ተዓሊሱ ዝቆሰለ ዝንቅጥቀጥ ገንሸል። ስዒሩ እዩ። ኣብውግእ ዝወዓለ ክትብሉዎ ትኽእሉ ኢኹም፥ ይኹን እምበር ተሓሪዱዝነበረ ነገር ግን ዳግም ህያው ዝኾነ እዩ።

ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ገንሸል ኣቀዲሙ ምንም ኣየስተውዓለሉን ነይሩ። ቅድሚ ሕጂብዛዕባኡ ዝተውሃበ ኣፍልጦ ኣይነበረን። ብዛዕባኡ ዝተዘረበ ቦታ ኣይነበረን። ዮሃንስ ኣብ መላእ ሰማይ ጠሚቱ ኣይረኣዮን። ይኹንእምበር እነሆ ህያው ኮነ። ካበይ መጺኡ ኢልኩም እስኪ ሕሰቡ። ካበይ እዩ መጺኡ? ካብታ ዝተሓረደላን ዝተንስኣላን ጊዜ ካብ ዝተቀመጠላ ዙፋን ኣቦ።“ተንሲኡ ናይ ምምላድ ስራሕ ክሰርሕ ኣብ የማን ኣምላኽ ካብ ዝተቀመጠሉ ዙፋን” ኣሜን። ብገዛእ ደሙ፥ ምእንቲ ጥፍኣት ህዝቢ ኸማልድ ኸም ማእኸላይ ኮይኑ ተንስአ። ኣነስ ኣብኡ እየ ዝድገፍ። ክሳብ ሎሚ ንሱ በቲ ንሓጢያት ዘንጽህ ብሊች ተሸፊኑ ኣሎ።

-----
ኣጸቢቅኩም ተኸታተሉኒ ሕጂ። እዚ ክርድኣኩም ዝግባእ ነገር እዩ። ምእንቲ እቶም ኣመንቲ ግብሪ ማእኸላይነቱን ኣማላጅነቱን እንዳሰርሐ ክሳብ ሕጂ ጸኒሑ እዩ። ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል ከም ገንሸል ኣብኡ ጸኒሑ። ሕጂ ግና እቲ መጽሓፍ ጽሕፈት ርስቲ ንኽወስድን፣ ማሕተማት ንኽፈትሕን ሚስጢራት ኣምላኽ ንኸግህድን ካብ ዘለኣለማዊነት ንቅድሚት ፈቀቅ ይብል ኣሎ። ንመዓስ እዩኸ? ኣብ ዘመን-ፍጻመ። ይርድኣኩምዶ ኣሎ? ብጣዕሚ ጽቡቅ፥ እምበኣርከስ ንቀጽል።

ሕጂ ማሕተማት ንኽሰባብርን ነቲ ሚስጢራት ድማ ክለቀሎም... ነቲ መልእኽቱ ሚስጢራት ኣምላኽ ዝገልጽ ሻብዓይ መልኣኽ ክለቀሉ እዩ። ሚስጢራት ኣምላኽ ኩሎም ኣብተን ሾብዓተ ማሕተማት ዝተመስረተ ሚስጥራት እዮም፥ ርኢኹም? ኣብዚ ዝብሎ ዘሎ ኸምኡ እዩ። ሚስጢራት ኩሉ ኣብ ውሽጢ እዘን ሾብዓተ ማሕተማት መሰረት ዝገበረ እዩ።

ሕጂ ድማ እቲ ገንሸል ንቅድሚት ይስጉም ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ሰብን ማእኸላይ ካብ ምዃን ተሳጊሩ ኣንበሳ ይኸውን ኣሎ። ኣንበሳ ምስ ኮነ ድማ ነታ መጽሓፍ ወሰደ። መሰሉ እዩ። ኣምላኽ ሚስጢራቱ ሰዊሩ ሒዙ ነይሩ፥ ሕጂ ግና እቲ ገንሸል መጸ። ነታ መጽሓፍ ዋላ ሓደ እኳስ ክወስዳ ኣይከኣሎን። ኣብ ኢድ ኣምላኽእያ ዘላ። ጳጳስ ይኹን ካህን ይኹን፥ ክንዲ ዝኾነ ይኹን ነታ መጽሓፍ ክወስድ ዝከኣሎ የለን። እተን ሾብዓተ ማሕተማት ኣይተገልጻን ነይረን፡ ርኢኹም? ይኹን እምበር እቲ ማእኸላይ፥ ከም መማለዲ ዝዓዮ ዝነበረ ግብርታቱ ምስ ፈጸመ፥ ናብ ቅድሚት መጸ። ዮሃንስ ድማ... እቲ ሽማግለ “ኣንበሳ እዩ” ኢሉዎ፥ መጸ ድማ ። ርኣዩዎ። ኦ-ማይ! ርኢኹምዶ?

ነታ መጽሓፍ ክወስድ መጸ (ኣስተውዕሉ ሕጂ)፥ እቲ ኣብ ኩሉ ዘመናት፥ ኻልኦት ናይ ሃይማኖት ትካላት ኩለን ብግምት ዝዛረባኦ ዝነበራ ሚስጢራት ኣምላኽ ንኽገልጽ መጸ። እምበኣርከስ ነቲ ሻብዓይ መልኣኽ ርኣዩዎ... እዛ መጽሓፍ እዚኣ፥ እዚ ሚስጢራት ቃል ኣምላኽ እንተድኣ ኾይኑ፥ እቲ ቃል ኣምላኽ ናብኡ ምእንቲ ክመጸሉስ እቲ ሻብዓይ መልኣኽ ድማ ነብዪ ክኸውን ይግብኦ። ጳጳስ ይኹን ካህን ይኹን ካልኦት ዝኾነ ይኹኑ ክርድእዎ ኣይከኣሎምን። ቃል ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣይመጽእን። ቃል ኣምላኽ ኩሉሳዕ ናብ ነብዪ እዩ ዝመጽእ።

ሚልኪያስ 4 ከምኡ ዝዓይነቱ ተስፋ እዩ ዝሃበ። ንሱ መጺኡ ድማ፥ ቤተክርስትያን ኣብዘን ትካላት ናይ ሃይማኖት ዝሓናፈጸቶ ሚስጢራት ኣምላኽ ክወስድ፥ እምነት ደቂ ድማ ናብ ኣቦታት ከቃንዕን ክመልስን እዩ። ካብኡ ንደሓር ድማ ፍርዲ ዓለም ክወርድ፥ ምድሪ ድማ ብጽንዓት ሓዊ ክትነድድ እያ። ከምኡ ድማ ኣብ ሚሊንየም ጻድቃን ኩሎም ሓሙኽሽቲ ረሲኣን ክረግጹ እዮም። ተረዲእኩምዶ ሕጂ? ብጣዕሚ ጽቡቅ።

ካልኦት ኩሎም፥ ኣብተን ዘመናት ትካላት ናይ ሃይማኖት ግምታዊ ኣካይዳ ገሚቶም እዮም። ነገር ግን እዚ ሰብ እዚ... እቲ ሻብዓይ መልኣኽ ናይ ራእይ ዮሃንስ 10፡1-4... እቲ ሚስጢራት ኣምላኽ ኩሉ ነዚ ሻብዓይ መልኣኽ ተዋሂቡዎ፥ እቲ ኣብ ዘመን ትካላት ናይ ሃይማኖት ተሪፉ ዝነበረ ኩሉ ሚሽጢራት ድማ ይፍጽሞ።

ኣብ ካልኦት ናይ ሃይማኖት ካላት ዝርከቡ ኣሕዋት ንኸጥቅዕ ዘይሓስበሉ ምኽንያት ድማ እዚ ምዃኑ ክትርድእዎ ትኽእሉ ኢኹም። ስርዓት ናይ ትካላት ሃይማኖት እዩ! ፈጺሞም... ክግለጸሎም ስለዘይኽእል፥ ንኽፈልጡዎ ዘድልይ ነገር የለን። እዚ ብመሰረት እቲ ቃል እዩ። ግምታዊ ኣካይዳ ይወስዱሉ፥ ከም ዝነበረ ይኣምኑ እዮም፥ ብእምነት ድማ ይኸዱሉ ሕጂ ግና ብመርትዖ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣሜን! ኦ-ማይ! ከመይ ዘደንቅ ቃል እዩ!

-----
ሕጊ ኣምላኽ (እቲ ዝሓዛ) ሕጊ ኣምላኽ ዋርሳ ዝኸውን በይዛ ሓተተ፥ እቲ ገንሸል ድማ ብትብዓት “ዋርሳ ኣነ እየ! ኣነ እየ እቲ ዝብጆ! ማእኸላይ ኮይነ ዘተዓረቅኩኣነ እየ፥ ሕጂ ድማ እነሀኹ መሰላቶም ብጽሒቶም ክእውጅ መጻእኹ እንዳበለ” ብትብዓት ወጸ። ኣሜን! ኣሜን! “እቲ ብውድቀት ምኽንያት ጠፊኡዎም ዝነበረ ብጽሒታት መሰሎም ክመልስ ዋጋ ኸፊለ እየ።” ኦ! ኣታ ሓወይ ናተይ! መንፈሳዊነት ዶ ኣይስማዓካን? በቲ ዝገበርናዮ ሰናይ ስራሕትና ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ! ኦ፥ ጽንሑ'ሞ! እቶም ሽማግለታትን ካልኦትን ኩሎም ኣኽሊላቶም ክስንድዉ ጀመሩ፥ ኽቡራት ኩሎም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፥ ርኢኹም።

ብጀካኡ ዋላ ሓደ ዋላ ሓደ ኽፍጽማ ኣይኽእልን። ናብ የማን ኣምላኽ ኣቢሉ ድማ ኸደ ነታ መጽሓፍ ወሲዱ ድማ ብጽሒት መሰሉ ወሲዱ “ምእንታኦም ሞይተ እየ፥ ዝብጀዎም ኣነ እየ። ማእኸላይ ኣነ እየ። ደመይ ፈሲሱ እዩ። ሰብ ኮይነ እየ። እዚ ኹሉ ድማ እታ ማሕበር - እታ ቅድሚ ምምስራት ዓለም ዝተዘርአት ቤተክርስትያን ናብቲ ናይ ቀደማ ንኽትምለስ ኢለ እየ። ክኸውን እዩ ኢለ ዝበልኩዎ ኹሉ ዝወሰንኩዎ እዩ። ሓደ እኳ ክፍጽሞ ዝከኣሎ ስለዘየለ፥ ኣነ ባዕለይ ወሪደ ፈጸምኩዎ። ዘመዶም ኣነ እየ! ዘመዶም ኮንኩ!” ነታ መጽሓፍ ድማ ወሰዳ! ኣሜን! ሎሚ ኣብኣ ዝጽበየኒ ዘሎ መን እዩ? መንዩ! ቤተክርስትያን ሆይ መን እዩ እቲ ዝጽበይ ዘሎ? ካሊእ እሞ መንከ ክጽበየኩም? እቲ ዝብጆ ዋርሳ እምበር! ኦ-ማይ! ከመይ ዝበለ ምዕሩግ ሓሳብን ግብርን እዩ።

ናይ በይዛነት ጽሕፈት ርስቲ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ግብሪ ማእኸላይነት ተፈጹሙ እዩ። ኣብ ኢዱ ሒዙ እዩ። ነዚ ኹሉ ዘማናት ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ዘክሩ ሕጂ ግና ኣብ ኢድ እቲ ገንሸል እዩ ዘሎ። ጽሕፈት ርስቲ በይዛነት ናይ ኩሉ ፍጡር ኣብ ኢዱ ከም ዘሎ ርኣዩ፥ እንደገና ድማ ንዘርኢ ደቂ ሰብ ክመልሰሎም ይምለስ ኣሎ። ንመላእኽቲ ኽመልሰሎም ኣይኮነን፥ ነቶም ንዓኣቶም ዝተውሃቦም ደቂ ሰባት፥ ዳግም ንኣምላኽ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቂ ክገብር ክመልሰሎም ድኣ እምበር። ናብ ኤደን ገነት ዳግም ንኽመልሶም - ጠፊእዎም ዝነበረ ኹሉ፥ መላእ ፍጥረት፣ እጽዋት፣ እንስሳትን ካሊእ ኹሉን። ኦ-ማይ! ደስ ደስዶ ኣይብለኩምን?

Read the full account in...
ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ፡


English Newsletter Site።

ራእይ ዮሐንስ።

ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ።

 

ኣብ ሞንጎ ሾብዓተ ዘመናት ቤተክርስትያንን ሾብዓተ ማህተማትን ዘሎ ሃጓፍ።

ዘርኢ'ታ ሰበይቲ።

ኣንበሳ ነገደ ይሁዳ።

ኦም ህይወት።
The Original Sin።
Was it an Apple?

ምህሮ በልዓም፡፡

ኤልዛበል፡ እታ ሰበይቲ።

መልእኽቲ ዘመን ሎዶቅያ።

ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ወጻኢ።

ትምህርቲ ኒቆላውያን።

 

ራእይ ጳጥሞስ።

  The Scripture Saith...

እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡

ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኡ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለም ኣለምን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ።

ራእይ ዮሐንስ 10:5-7


ማሕተም ኣብ
ምዕራፍ 10
ሾብዓተ ኣብ
ጊዜ ሾብዓተ
ነጎድጓድ
ተጋሂዱ እዩ።


Click on an image to download PDFs or fullsize picture.


Acts of the Prophet

(PDF English)

Chapter 14
- Sabino Canyon

(PDF English)
Where sword appeared.

William Branham
Life Story.

(PDF English)

How the Angel came
to me.
(PDF English)


Message Hub...Choose your Language and download Free Messages from Brother Branham